Fana: At a Speed of Life!

ወልዋሎ መይድኡ ንክግምገመሉ ሕቶ ኣቕሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ወልዋሎ ንዝሓለፉ ኣስታት ክልተ ዓመታት ኣብ ፅገና ዝፀንሐን ኣብ ወርሒ ጥሪ 2012 ዓ.ም ክዛዘም ኢዩ ተባሂሉ ትፅቢት ዝግበረሉን መይድኡ ብኣወዳደርቲ ኣካላት ንክግምገመሉ ብደብዳበ ሕቶ ኣቕሪቡ።

እቲ ሜዳ ብዝሓሸ ፅሬት ከምዝተሰርሐ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ተፃወትቲ ማሊያ ዝቕይርሉ ክፍሊ፣ ሓፁር እቲ ሜዳን ካልኦት ተመሳሰልቲ ስራሕቲን ኣብ ምዝዛም ይርከብ።

እቶም ዝተረፉ ተግባራት ድሕሪ ምዝዛሙን ብመሰረት ዘቕረቦ ሕቶ እቲ ኮሚቴ ፍቓድ እንተሂቡዎን፥ ጋንታ ወልዋሎ ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ፀወትኡ ኣብ ሜዲኡ ከካይድ ኢዩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.