Fana: At a Speed of Life!

ወርሓዊ ኩነት ጥዕና ዝዓሰላ ኣዶ ብብርኪ ሃገር ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 01 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ወርሓዊ ኩነት ጥዕና ዝዓሰላ ኣዶ ብብርኪ ሃገር ይኽበር ኣሎ።

እቲ ኩነት “ኣዶ ዓንዲ ሑቖ ሃገርን ስድራን ኢያ” ብዝብል መሪሕ ቓል ኢዩ ዝኽበር ዘሎ።

ኣብቲ ብብርኪ ሃገር ንመበል 14 ግዘ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝኽበር ዘሎ ወርሓዊ ጥዕና ዝዓሰላ ኣዶ፥ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ሓዊሱ ኣመራርሓታት ፌዴራልን ክልልን ዝምልከቶም ኣካላትን ተረኺቦም።

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ፥ ፅሬት ዘለዎ ግልጋሎት ሕክምና ኣብ ግቡእ ሰዓትን ቦታን ብዝሰልጠነ በዓል ሞያ ክወሃብ እንተኽኢሉ ሞት መብዛሕተአን ኣዶታት ምትራፍ ከምዝከኣል ገሊፀን።

ጥዕና ኣዶታትን ህፃናትን ንምምሕያሽ ብፍላይ ምክልኻል እናተኽኣለ ዘጋጥሙወን ንዘለዉ ሓደጋታት ሞት ንምክልኻል ዓሊሞም ዝተሰርሑ ስራሕቲ ብምርኣይ እቶም ምዕቡላት ክጠናኸሩ ብምግባርን ጉድለት ዝተርኣየሎም ድማ ብምምሕያሽን ክስራሕ ከምዝግባእ እተን ፕዚዳንት ኣተሓሳሲበን።

ን30 መዓልቲታት ዝፀንሕ ወርሒ ጥዕና ዝዓሰላ ኣዶ፥ ኣብ እዋን ወሊድን ምስ ወሊድ ዝተተሓሓዙ ፀገማትን ብዝምልከት ሰፋሕቲ ግንዛበ ናይ ምፍጣር ስራሕቲ ከምዝስርሑ ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.