Fana: At a Speed of Life!

ወታደራዊን ሲቪልን ሓይሊታት ሱዳን ፖለቲካ ቅልውላው እታ ሃገር ጠጠው ንምባል ስምምዕነት ተፈራሪሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ወታደራዊን ሲቪልን ሓይሊታት ሱዳን ፖለቲካ ቅልውላው እታ ሃገር ጠጠው ንምባል ብሲቪል ዝምራሕ ናይ ስግግር መንግስቲ ንምጥያሽ ዘኽእል ስምምዕነት ተፈራሪሞም።

እቲ ስምምዕነት ኣብ ሞንጎ ኣዛዚ ሓይሊታት ጦር ሱዳን ኣብዱልፈታህ ኣል-ቡርሃንን ሲቪል ኣመራርሓ ናፅነትን ከምኡ እውን ሓይሊ ለውጢ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ኣካል ኢዩ ተኸቲሙ።

ብመሰረት እቲ ስምምዕነት እታ ሃገር ናብ መረፃ ዝመርሕ ሓዱሽ ሲቪል ስግግር መንግስቲ ንምምስራት ቃል ዝተኣተወ እንትኸውን÷ ኣብ ሱዳን ዝተቛረፀ ከይዲ ስግግር ዴሞክራሲ ዘሳልጥ ኢዩ ተባሂሉ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.