Fana: At a Speed of Life!

ወ/ሮ ሙፈሪሃት ካሚል ምስ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 መስከረም፣2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ሰላም ወ/ሮ ሙፈሪሃት ካሚል ምስ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ጊታ ፓሲን ዳይሬክተር ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ ሚሽን ኢትዮጵያ ሾን ጆንስን ምጥንኻርን ምስፋሕን ሰብኣዊ ድጋፍ ብዝምልከት  ተዛቲየን።

ዕላማ እቲ ዘተ ጉጅለ ጥፍኣት ህወሓት ብዘብፅሖ መጥቃዕቲ ኣብ ከልል ኣምሓራን ዓፋርን ንዝተፈናቐሉ ዜጋታት ዕለታዊ ሓገዝ ብህፁፅ ንምብፃሕን መሊስካ እግሪ ምትካልን ህፁፅ ምላሽ ንምሃብ ዘኽእሉ ስልቲታት ንምጥንኻር ኢዩ ተባሂሉ።

ወ/ሮ ሙፈሪሃት ብወገን መንግስቲ ኣብ ኣንፈት ሰሜት ኢትዮጵያ ኣብ ግዚያዊ መፅለሊ ጣቢያ ዝርከቡ ዜጋታት ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እዛ ሃገር ዝተፈናቐሉ ዜጋታት ንምድጋፍ ዘኽእል ተግባር ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ተዛሪበን።

ኣምባሳደር ፓሲ ብግድአን፥ ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ይከታተላ ከምዘለዋ ገሊፀን።

መንግስቲን ህዝብን ኣሜሪካ ንብዙሕ ዓመታት ዝፀንሐ ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ እወንታዊ ርክብ ኣጠናኺርካ ከምዝቕፅል ገሊፆም።

ዝግበር ዘሎ ሰብኣዊ ድጋፍ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ምሕባረን ካብ ሚኒስቴር ሰላም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.