Fana: At a Speed of Life!

ወ/ሮ ኣዳነች ኣቤቤ ምስ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኦሮሞ ኣዲስ ኣበባ በዓል ኢሬቻ ብዝምልከት ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ምስ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኦሮሞ ኣዲስ ኣበባ ብዛዕባ ኣከባብራ በዓል ኢሬቻ ብዝምልከት ተዛቲየን።

እተን ምክትል ከንቲባ ኣብቲ እዋን ዘተ ከምዝበለኦ፥ በዓል ኢሬቻ ተምሳሌት ሰላም፣ ፍቕሪን ምክእኣልን ኢዩ።

በዓል ኢሬቻ እዚ ዓመት ብምኽንያት ኮቪድ-19 ውሑድ ቁፅሪ ዘለዎም ሰባት ጥራሕ ከምዝኽበር ሕብረት ኣባ ገዳታት ምግላፁ ይፍለጥ።

ስለዝኾነ ድማ ኣካል እቲ በዓል ዝኾና ደቂ ኣንስቲዮ፥ በዓል ኢሬቻ ሕጊን ስርዓትን ብዝሓለወ መልክዑ ባህላዊ ትውፊቱ እንተይተኣጓጎለ ንኽኽበር ዝከኣለን ኣስተዋፅኦ ክዋፅኣ ከምዝግባእ ተገሊፁ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ደቂ ኣንስቲዮ ኣብ ውሽጢ ኣከባብራ በዓል ኢሬቻ ዘለወን ታሪኻዊ ግደ ዝምልከት ፅሑፍ ብበዓል ሙያ ታሪኽ ኣይተ ስንታየሁ ቶላ ቀሪቡ ምይይጥ ተገይሩሉ።

ብትዝታ ደሳለኝ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.