Fana: At a Speed of Life!

ወ/ሮ ኬሪያ ኢብራሂም ንመንግስቲ ኢደን ሂበን

ወ/ሮ ኬሪያ ኢብራሂም ንመንግስቲ ኢደን ሂበን
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ) ካብ መንጎ ብሕጊ ዝድለዩ ኣባላት ጁንታ ህወሓት ሓንቲ ዝኾና ወ/ሮ ኬሪያ ኢብራሂም ንመንግስቲ ኢደን ሂበን።
ወይዘሮ ኬሪያ ኢብራሂም ኣባል ፈፃሚት ስራሕ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት እንትኾና፥ ኣብ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣፈ ጉባኤ ብምዃን ኣገልጊለን ኢየን።
ወይዘሮ ኬሪያ ኢብራሂም ረብሓ ጁንታ ህወሓት ይሓሸኒ ኢለን ናብ መቐለ ዝሃደማ እንትኾና፥ ገናሒ መኪነአን ግን ንብረት መንግስቲ ንጁንታ ህወሓት ኣይህብን
ኢሉ ካብ መቐለ ናብ ኣዲስ ኣበባ ሒዙ ከምዝመፅአ ይዝከር።
መንግስቲ ልክዕ ከም ወይዘሮ ኬሪያ ካልኦት ኣባላት ኣመራርሓ ህወሓት እውን ብሰለማዊ መገዲ ኢዶም ንክህቡ ፃውዒት ኣቕሪቡ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.