Fana: At a Speed of Life!

ዉድብ ብልፅግና ዝዉክሉ ኣባላት ቤት ምኽሪን ኣመራርሓታት ዋና ቤት ፅሕፈት እቲ ዉድብን ኣብ ኣፈፃፅማ 6ተ ኣዋርሕ መንግስቲ ይዝቲዩ ኣሎዉ     

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ንዉድብ ብልፅግና ወኪሎም ዝተመረፁ ኣባላት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢን ኣመራርሓታት ዋና ቤት ፅሕፈት እቲ ዉድብን ኣብ ኣፈፃፅማ 6ተ ኣዋርሕ መንግስቲ ይዝቲ ኣሎ።

እቲ መድረኽ ምኽትል ፕሬዚዳንት ዉድብ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ ዘጀመሩ እንትኾን፤ ኣፍቲ ዘተ ኣብ እዋን መረፃ እቲ ዉድብ ብማኒፌስቶ ዘቐመጦምን ንህዝቢ ቃል ዝኣተዎም ነገራትን ኣፈፃፅመኦም እንታይ ከምዝመስል  ክድህስስ እዩ፡፡

እቲ መድረኽ ዘተ ኣፈፃፅማ እዞም ተግባራት ብብርኪ ብምፍላይ ንቐፃሊ ናብ ልዑል ብርኪ ብምዕባይ፤ ዉፅኢታዊ ስራሕቲ ክትትልን ሓገዝን ንምክያድ ዘኽእል ድልዱል ባይታ ዝፈጥር እዩ ተባሂሉ፡፡

ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ሽዱሽተ ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2015 መንግስቲ ብሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ ቀሪቡ፡፡

ኣፍቲ ዘተ ኣብ ዝሓለፉ 6ተ ኣዋርሕ ዝተኻየዱ ተግባራት ብዝርዝር ዘተ ክግበረሎም እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ከምዝግበር ካብ ፌስቡክ ገፅ ቤት ፅሕፈት ዉድብ ብልፅግና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.