Fana: At a Speed of Life!

ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ሱዳን ካብ መዝገብ ሃገራት ፈጠርቲ ራዕዲ ክትሕከኽ ሓቲቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተሬዝ ሱዳን ካብ መዝገብ ሃገራት ፈጠርቲ ራዕዲ ክሕከኽ ሓቲቶም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ዝተረኸቡ ዋና ፀሓፊ ኣንቶንዮ ጉተሬዝ፥ እታ ሃገር የጓንፍዋ ካብ ዘለዉ ብድሆታት ቀልጢፋ ክትወፅእ ምእንቲ ዓለም-ለኸ ሓገዝ የድልያ እዩ ኢሎም።

ነዚ ድማ ሱዳን ካብቲ መዝገብ ዝርዝር ግብረ-ሽበራ ስማ እንድሕር ተሓኺኹ፥ ቤት ፅሕፈት ሕቡራት ሃገራት እቲ ዘድሊ ዓለም ለኻዊ ድጋፍ ኣብ ምትሕብባር ክነጥፈ የኽእሎ እዩ ብምባል ገሊፆም።

ሱዳን ናብ ሰለማዊ መድረኽ ዓለም ክተመፅእ ዝግበር ዘሎ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፕሬዚዳንት ኦማር ኣልበሺር ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣኖም ምእላዮም ስዒቡ እዩ ተባሂሉ።

ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስላጥ ዝጀመረ መበል 33 ስሩዕ ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካ ሎሚ መዓልቲ እውን ይቕፅል ኣሎ ኢዩ።

እቲ ስሩዕ ጉባኤ፥ “ጎንፂን ኲናትን ብምዕጋት ንልምዓት ኣፍሪካ ምዕሩይ ሃዋህው ምፍጣር!” ብዝብል መሪሕ ቓል ኢዩ እናተኻየደ ዝርከብ።

ልዕሊ 30 ፕሬዚዳንታት ሃገራት ኣፍሪካ፣ ቀዳማይ ሚኒስትራት፣ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ኣርባዕተ ሃገራትን ምክትል ፕሬዚዳንታትን ኣብቲ ጉባኤ ይሳተፉ ምህላዎም ይፍለጥ።

(ተወሳኺ ሓበሬታ ካብ ቢቢሲ ዝተረኸበ ኢዩ)

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.