Fana: At a Speed of Life!

ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ወርሒ ሰነን ሓምለን ዓመተ 2023 ክካየድ ተወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪካ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ ወርሒ ሰነን ሓምለን ዓመተ 2023 ከምዝካየድ ግዚያዊ ዋና ፀሓፊ ኮንፈደሬሸን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪካ (ካፍ) ዓብደል ባህ ኣፍሊጦም።

እቶም ዋና ፀሓፊ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ መግለፂ ክህቡ እንከለዉ፥ ኣበየናይ ወርሒ ከምዝኸውን ከምዘይፈልጥ ብምግላፅ እቲ ውድድር ናብ 2023 ከምዝተሰጋገረ ሓቢሮም ነይሮም።

ሎሚ ንቢቢሲ ስፖርት ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ፥ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ወርሒ ሰነን ሓምለን ዓመተ 2023 ክካየድ ትልሚ ሒዝና ኣለና ኢሎም።

እቲ ውድድር ብምኽንያት ዓለማዊ ለበዳ ቫይረስኮሮና ከምዝተሰጋገረ ይዝከር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.