Fana: At a Speed of Life!

ውሕመ ንጎንፂ እስራኤልን ፍልስጤምን ዘላቒ መፍትሒ ክወሃብ ሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድብ ሕቡራት መንግስታት(ውሕመ) ንጎንፂ እስራኤልን ፍልስጤምን ዘላቒ መፍትሒ ክወሃብ ሓቲቱ።

ፍሉይ ኣተሓባባሪ ከይዲ ሰላም ማእኸላይ ምብራቕ ውሕመ ቶር ዌንስላንድ፥ ኣብ መንጎ ከልቲአን ሃገራት ትማሊ ዝተገበረ ስምምዕነት ደው ምባል ተዂሲ ዘተኣማምን ኣይኮነን ኢሎም።

ኢስላማዊ ጂሃድ ፍልስጤምን ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤልን ዝገበርዎ ስምምዕነት ደው ምባል ተዂሲ ዳግም ናብ ኲናት እንተኣትዩ ድማ ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያንን እስራኤላውያንን ዝኸፍአ ሳዕቤን ዘምፅእ ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

ስለዝኾነ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ምስ ማሕበረሰብ ዓለም ብምዃን ትርጉም ናብ ዘለዎ ድርድር ንክኣትዉን ዲፕሎማሲያዊ ፃዕሪታት ከጠናኽሩን ኣለዎም ከብሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

 

ፍልፍል፦ ሲጂቲኤን

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.