Fana: At a Speed of Life!

ውሽጥና፣ ከባቢናን ሃገርናን ሰለማዊ ንምግባር ሕድሕድና ንሰላም ቅድሚያ ክንህብ ኣለና-ኣይተ ኣወል ኣርባ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ውሽጥና፣ ከባቢናን ሃገርናን ሰለማዊ ንምግባር ሕድሕድና ንሰላም ቅድሚያ ክንህብ ኣለና ከብሉ ርእሰ ምምሕዳር ክልለ ዓፋር ኣይተ ኣወል ኣርባ ገሊፆም።

እቶም ርእሰ ምምሐዳር መበል 1443 ብዓል ዒድ ኣል ፈጥር ምክኒያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፥

ዝኾነ ይኹን ፀገም እንተጋጠመና እቲ ፀገም ብምብራዕ እንተይኮነስ ፈጣሪ በዝፈትዎ መገዲ ብዝሰኸነ ኣእምሮን ቅንዕናን ንምፍታሕ ክንረባረብ ኣለና ኢሎም።

ህዝቢ ካብ መረበቱ ብምምዝባል፣ ብምቕታልን ብምስዳድን ርካሽ ትርፊ ፖለቲካ ንምርካብ ዝግበሩ ምጉያያት ብሓባር ብምዃን ደው ክነብሎ ይግባእ ኢሎም።

ኣብ ዝኾነ ከባቢ ሃገርና ዝፍጠሩ ኢ-ፍትሓዊን ኢ-ሰብኣዊን ተግባራት ክውገዘን ጥፍኣተኛታት ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰደሎም ይግባእ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

ፀረሰላም ጁንታ ንሰላም ኣይግዛእን ኢሉ ወረራ ኣብ ዘካየደሉ እዋን ንሰላም ክብሉ ዝተዋደቑ ኣብ ዕለተ ዒድ ብክብሪ ክንዝክሮም ኢና እውን ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.