Fana: At a Speed of Life!

ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ሶማሊያ ዝተናወሐ መረፃ ብቕልጡፍ ንኽተካይድ ፀዊዑ

አዲስ አበባ ፣ የካቲት 16 ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፍሉይ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ሶማሊያ ጀምስ ስዋን መራሕቲ ሶማሊያ ካብ ምግጫው ንደሓር ክምለሱን ኣብ ጉዳይ መረፃ ኣብ ስምምዕነት ንኽበፅሑን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እቶም ሓላፊ ፃውዒት ኣቕሪቦም ዘለዉ፥ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ሞቃድሾ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ ልውውጥ ተኹሲ ምስተገበረ ድሕሪ መዓልቲታት ከምዝኾነ ተመልኪቱ።

ኩሎም ፖለቲካዊ መራሕቲ ሶማሊያ ካብቲ ተፈጢሩ ዘሎ ጎንፂ ንኽምለሱን ኣብ ሓይሊ ዝተደረኸ ሓደገኛ ሜላ ንኸወግዱን ኣተሓሳሲቦም፡፡

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 17 መስከረም ኣብ ሞንጎ ፕሬዚዳንት ሞሓመድ ኣብዱላሂ ሞሓመድን መራሕቲ ክልልን ዝተበፅሐ ስምምዕነት መበገሲ ብምግባር እውን ብዝተኸኣለ ቅልጣፈ መረፃ ንምግባርን ተኣማኒ ፖለቲካዊ ስምምዕነት ንምክያድን ልዝብን ድርድርን ዝግበረሉ ሰዓት ሕዚ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡

ሶማሊያ 8 ለካቲት መረፃ ንምግባር መዓልቲ ቆፀሮ ኣቐሚጣ ዝነበረት ይኹን እምበር መረፃ ክተካይድ ኣይከኣለትን ፡፡

ስለዝኾነ ድማ ጥምረት ተናሓናሕቲ ሕፁያት እታ ሃገር ንሞሓመድ ፋርማጆ ካብ ሕዚ ንደሓር ከም ፕሬዚዳንት ከምዘይቕበሉዎም ብምግላፅ ስልጣኖም ክሳብ ዝለቁ ዝጀመሩዎ ልዑል ህዝባዊ ተቓውሞ ኣጠናኺም ከምዝቕፅሉሉን ገሊፆም ኣለዉ።

ፍልፍል፡- ኣልጀዚራ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.