Fana: At a Speed of Life!

ውድብ ትዕና ዓለም ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ሰብ ሞያታት ሃንደበታዊ ሕክምና ንምስልጣን ዘኽእል ማእኸል መሰልጠኒ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከፊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዚያ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ውድብ ትዕና ዓለም ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ሰብ ሞያታት ሃንደበታዊ ሕክምና ንምስልጣን ዘኽእል ማእኸል መሰልጠኒ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምኽፋቱ ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሆሰፒታል ፊልድ ዝተሃነፀ እቲ ማእኸል መሰልጠኒ፥ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰን ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዳይሬክተር ኣፍሪካ ማቲሾ ሞቲን መሪቐን ከፊተንኦ።

ዶክተር ሊያ ኣብ መኽፈቲ እቲ መርሃ-ግብሪ ከምዝበለኦ፥ ምኽፋት እቲ ማእኸል መሰልጠኒ ኣብ እዋን ለበዳ መዓልታዊ ተግባር ዝኾነ ስራሕ ሃንደበታዊ ሕክምና ብዝበለፀ ብፍልጠት ንኽምራሕ ዝሕግዝ ኢዩ።

ውድብ ጥዕና ዓለም እቲ ማእኸል ኣብ ኢትዮጵያ ንኽኽፈት ምምራፁ ድማ ምስጋና ከምዘቕረባ ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.