Fana: At a Speed of Life!

ውድብ ጥዕና ዓለም ንሕሙማት ኮቪድ-19 ብፈውሲ ዓሶ ንምሕካም ዝገብሮ ዝነበረ ፈተነ ጠጠው ኣቢልዎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድብ ጥዕና ዓለም ንሕሙማት ኮቪድ-19 ብፈውሲ ዓሶ“ሃይድሮክሲክሎሮኲን” ምሕካም ዝገብሮ ዝነበረ ፈተነ ብሰንኪ ናይ ውሕስነት ከምዝቋረፆ ሓቢሩ።

ብዙሓት ሃገራት’ውን ንግዚኡ ነቲ ዝግበር ዝነበረ መርመራ ኣቋሪፀንኡ ኣለዋ ተባሂሉ።

ዝሓለፈ ሰሙን ብዝተዘርሐ መፅናዕቲ፥ ሃይድሮክሲክሎሮኲ መጠን ሞት ሕሙማት ቫይረስኮሮና ክውስኽ ከም ዝገብር ተገሊፁ ነይሩ።

ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፥ ካብ ቫይረስኮሮና ንምክልኻል ‘ይወስዶ ኣለኹ’ ዝበሉዎ መድሓኒት ዓሶ ነቶም በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ዝያዳ ናብ ሞት ዘቃልዕ ከም ዝኾነ መፅናዕቲ ላንሰት ኣረጋጊፁ ነይሩ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.