Fana: At a Speed of Life!

ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ፈተነ ዝነበሩ ሰለስተ ኣፋውስ ኮቪድ-19 ዕላዊ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድብ ጥዕና ዓለም ብምኽንያት ቫይረስ ኮቪድ 19 ሕይወቶም ክስእኑ ዝኽእሉ ሰባት ቁፅሪ ይንክዩ ኢዮም ተባሂሉሎም ኣብ ፈተነ ዝነበሩ ሰለስተ ኣፋውስ ዕላዊ ገይሩ፡፡

እቶም ኣብ ፈተነ ዝርከቡ ኣፋውስ፥ ኣርቴሱኔት፣ ኢሜቲኒብን ኢንፊሊክሲማብ ዝበሃሉ ከምዝኾኑ ተገሊፁ፡፡

ኣብ ቀፃሊ ኣብ 52 ሃገራት ኣብ ሕሙማት ተፈቲኖም ውፅኢታዊ ምስኮኑ ኣብ ረብሓ ዝውዕሉ ኣፋውስ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ፡፡

እቶም ኣፋውስ ሓደሽቲ ከምዘይኮኑን ካልኦት ሕማማት ንምሕካም ኣብ ረብሓ እናወዓሉ ከምዝርከቡን እቲ ውድብ ኣገንዚቡ፡፡

ክሳብ ሕዚ ብቫይረስ ኮቪድ-19 ካብ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሪ 204 ነጥቢ 28 ሚሊየን ዝበልፅ እንትኸውን፥ በቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ ድማ ልዕሊ 4 ነጥቢ 31 ሚሊየን ከምዝኾነ ሓበሬታታት የረድኡ፡፡

ፍልፍል፥ ሲጂቲ ኤን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.