Fana: At a Speed of Life!

ውድብ ጥዕና ዓለም ክታበት ሰደድ ንከይግበር ንዝኸልከለ ሕብረት ኣውሮፓ ነቒፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥሪ፣ 2013 ዓ.ም (ኤፍ ቢ ሲ)ውድብ ጥዕና ዓለም ነቲ ብሕብረት ኣውሮፓ ዝወፅአ ኣብ ኣባላት ሃገራት ዝፈርይ ክታበት ቫይረስኮሮና ናብ ወፃኢ ሰደድ ከይግበር ዝብል ሕጊ ተቓዊምዎ።

ሕብረት ኣውሮፓ ክታበት ቫይረስኮሮና ንምብፃሕ ሕፅረት ኣብ ዘጋጠመሉ ግዘ እዩ፡ ኣብ ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ዝፈርይ ክታበት፡ ናብ ሃገራት ወፃኢ ሰደድ ከይግበር ዝኽልክል ሕጊ ወግዓዊ ጌሩ ዘሎ።

እዚ ሕጊ፡ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ትካላት ኣፍረይቲ ክታበት ኮሮናቫይረስን ናብ ደገ ሰደድ ከይገብሩ ስልጣን ዝሃበ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ምክትል ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ማርያንጊላ ሲማው፡ ውሳነ እቲ ሕብረት “ኣዝዩ ዘሻቕል ኣንፈት እዩ” ብምባል፡ ነቒፋቶ።

ቅድም ኢሉ’ውን ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ “ናይ ክታበት ብሄረትኝነት”፡ ‘ምሕዋይ ሃሰያ ካብቲ ለበዳ’ ዘናውሕ እዩ ክብል ኣጠንቂቑ እዩ።

ኣብቲ ብ ‘ቐጥታ’ ኣብ ዴቮስ ዝተኻየደ ዓለማዊ ጉባኤ ቁጠባ ዓለም(ዎርልድ ኢኮኖሚክ ፎረም)፡ ክታበት ምኽዛን፡ “እቲ ለበዳ እናተላብዐ ክቕፅልን፡ ሕውየት እቲ ብሰንኪ እዚ ቫይረስ ዝደቐቐ ቁጠባ ዓለም፡ ዝሕቱል ክኸውን ዝገብርን እዩ” ዝበለ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ እዚ፡ “ኣዕናዊ ሞራላዊ ውድቀት” ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ፡ “ዓለምለኻዊ ዘይማዓርነት ክሰፍሕ” ዝገብር ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ፍለፍል፥ ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.