Fana: At a Speed of Life!

ውድድር ቻን ሃገራት ኣፍሪካ ሎሚ መዓልቲ ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብኣሰናዳእነት ኣልጄሪያ ዝካየድ 7ይ ውድድር ቻን ሃገራት ኣፍሪካ ሎሚ መዓልቲ ክጅመር ኢዩ፡፡

17 ሃገራት ዝሳተፉሉ እዚ ውድድር ኣብ ኣርባዕተ ከተማታት ኣልጄሪያ ኣብ ዝርከባ ስታዲየማት ከምዝካየድ ዝወፅአ መርሃ ግብሪ የመላኽት፡፡

እቲ ውድድር ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ እንትጅመር÷ ኣልጀሪያ ምስ ሊቢያ ምሸት ሰዓት ሰለስተ ፀወተአን ክገብራ ኢየን፡፡

ኣብቲ ውድድር ትሳተፍ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ድማ ፅባሕ ምስ ሞዛምቢክ መዘናኣ ሰዓት ትሽዓተ ክተካይድ ኢያ፡፡

እታ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ኣልጀርስ ትማሊ ምሸት ፈላማይ ልምምድ ከምዝገበረት ካብ ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.