Fana: At a Speed of Life!

ውድድር ፕሪሜር ሊግ ኢትዮጵያ ክሽየጥ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ማሕበር ኣክሲዮን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ውድድራት ፕሪሜር ሊግ ብቴሌቪዝን ከመሓላልፉ ንዝኽእሉ ትካላት ክሽየጥ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየዱ ተወታታት ኩዕሾ እግሪ ፕሪሜርሊግ ኣብ ሞንጎ 16 ጋንታታት ኣብ ሜደአንን ካብ ሜደአን ወፃኢን ብዝብል ፎርማት ውድድር ኢዩ ዝካየድ።

ስለዝኾነ ድማ ኩባኒያ እቲ ሊግ ኣብ ቀፃሊ ዝካየድ ውድድር እቲ ሊግ ብቐጥታ ፈነወ ቴሌቪዝን ናይ ምምሕልላፍ ፍቓድ ንትካላት ሚዲያ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ንምሻጥ ጨረታ ከውፅእ ኢዩ።

ብተወሳኺ ሽም እቲ ፕሪሜር ሊግ ንምሻጥ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ጨረታ ከምዘውፅእ እውን ተገሊፁ።

ካብ ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዝንን ካብ መሸጣ ስያመ ውድድርን ዝርከብ ኣታዊ መጠን ኣታዊ እቲ ኩባኒያን ተወዳደርቲ ጋንታታትን ከዕቢ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ካብ ኮሚሽን ስፖርት ፌዴሪኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.