Fana: At a Speed of Life!

ውፅኢት መረፃ ብዝምልከት ዝተዛበዐ ሓበሬታ ዘጋውሑ ኣካላት ካብ ተግባሮም ክቑጠቡ ይግባእ – ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ውፅኢት መረፃ ብዝምልከት ዝተዛበዐ ሓበሬታ ዘጋውሑ ኣካላት ካብ ተግባሮም ክቑጠቡ ከምዝግባእ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣተሓሳሲቡ።

ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ጌቱ አርጋው ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቆፀራ ድምፂ ምዝዛሙ ስዒቡ ድምፂ ዝተውሃበሎም ወረቓቕቲን ተተሓሃዝቲ ናውቲን ብሰላም ናብ ቤት ፅሕፈት ክልላት መረፃ ከምዝተጓዓዓዙ ተዛሪቦም፡፡

እቲ መረፃ ሰላማዊ ኮይኑ ንኽዛዘም። ሓይሊታት ፀፅታ ብዘውፅኡዎ ሓበራዊ ትልሚ፣ ኣድላዪ ናውቲ ብምምላእን ስልጠና ብምውሳድን ከምኡ እውን ዝተፈላለዩ ውዳበታት ምክትታልን ምቁፅፃርን ብምፍጣር ናብ ተግባር ኣእቲዩ እናሰርሐ ምፅንሑ ገሊፆም፡፡

ምዕራፍ ድሕሪ መረፃ ሰላማዊ ኮይኑ ንኽቕፅል፥ ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ብፍላይ ሕብረተሰብ ከምኡ እውን መራኸብቲ ሓፋሽ ዝተለመደ ምትሕብባር ንኽገብሩ ፀዊዖም፡፡

ዜጋታት ብናፅነትን ብዘይ ዝኾነ ይኹ ስግኣት ድምፆም ከምዝሃቡ እሓበሩ ኮሚሽነር ጌቱ፥ ህዝብን መንግስቲን ዝሃቦም ሓላፍነት ብብቕዓት ብምውፃእ ዘኹርዕ ተግባር ንዝፈፀሙ መላእ ኣካላት ፀፅታ ምስጋና ምቕራቦም ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

የምርጫ ውጤትን አስመልክቶ የተዛባ መረጃ መሰራጨቱ በምርጫው ሰላማዊ ሂደት ላይ አሉታዊ ተፅእኖ ሊያሳድር ስለሚችል የምርጫ ቦርድ የሚያሳውቀውን ይፋዊ ውጤት በመጠበቅ ህጋዊ አሰራርን መከተል እንደሚገባም አስገንዝበዋል

ውፅኢት መረፃ ብዝምልከት ዝተዛበዐ ሓበሬታ ምግዋሕ ኣብ ሰላማዊ ከይዲ እቲ መረፃ ኣሉታዊ ፅዕንቶ ከሕድር ስለዝኽእል፥ ቦርድ መረፃ ዘፍልጦ ዕላዊ ውፅኢት ብምሕላው ሕጋዊ ኣሰራርሓ ምኽታል ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም።

ዝተዛበዐ ሓበሬታ ዘጋውሑ ኣካላት እውን ካብ ተግባሮም ክዕቀቡን ምስ እዚ ተተሓሒዙ እቲ ኮሚሽን ምስ ቦርድ መረፃ ተዋዲዱ ብምስራሕ ሕጊ መረፃ መሰረት ብምግባር ስጉምቲ ከምዝወስድ ኣተሓሳሲቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.