Fana: At a Speed of Life!

ዓለም ለኸ ማሕረሰብ ንኣፍሪካ ዝገብሮ ሰብኣዊ ሓገዝ ከጠማኽር ይግባእ – ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ዓለም ለኸ ማሕረሰብ ንኣፍሪካ ዝገብሮ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኸጣኽር ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድን ልኡኾምን ኣብ ማላቦ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መበል 15 ጉባኤ ሰብኣዊ ሓገዝን ቃል ኪዳንን ሕብረት ኣፍሪካ ይሳተፉ ኣለዉ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ ጉባኤ ከምዝገለፁዎ፥ ምብራቕ ኣፍሪካ ብለውጢ ኣየርን ድርቂን ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ካብ ዘጋጠሞም ዞባታት ሓንቲ ኢያ።

እዚ ሓደጋ ተፈጥሮ ጉድኣት ንምንካይ ምስ ኣጋር ኣካላት ብምዃን ብዙሓት ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም።

ቅድሚ ሕዚ ኣብቲ ዞባ ዘጋጠመ ተኸታታሊ ድርቂ ከምዘርእዮ ጥንኩር ስጉምቲ ምክልኻል ሓደጋ ወሳኒ ከምዝኾነ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ገሊፆም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እታ ሃገር ብዓመት ብበሊየን ዝቑፀሩ ፈልሲታት ብምትካል ኣብ ዝቕፅሉ እዋናት ብለውጢ ኣየር ክመፅኡ ዝኽእሉ ፈተናታት ንምፅዋር ዝጀመረቶ ስራሕ ኣጠናኺ ከምትቕፅል እውን ኣብሪሆም።

ብብርኪ ዓለም ዝኸፍአ ዝቕባበ ዋጋ እናተርኣየ ይኹን እምበር ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ስደተኛታትን ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ብሚሊየን ዝቑፀሩ ዜጋታትን ሓገዝ ምግባራ ኣጠናኺ ከምዝቐፀለት ኣመልኪቶም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብታ ኣህጉር ብፍላይ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምስላጥ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ሓገዙ ኣጠናኺ ንኽቕፅል ፃውዒት ምቕራቦም ኢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.