Fana: At a Speed of Life!

ዓለም ለኸ ኩባኒያታትን ኢንቨስትመንት ባንኪታትን ኣብ ሰነድ ዕዳጋ መዋእለ ንዋይ ኢትዮጵያ ንምስታፍ ድሌቶም እናገለፁ ይርከቡ – ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ኩባኒያታትን ኢንቨስትመንት ባንኪታትን ኣብ ሰነድ ዕዳጋ መዋእለ ንዋይ ኢትዮጵያ ንምስታፍ ድሌቶም እናገለፁ ምዃኖም ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ገሊፁ።

ካፒታል ዕዳጋ ኣብ ኢትዮጵያ ንምጅማርን እቲ ዕዳጋ ንምምራሕን ዝፀደቐ ኣዋጅ ኣመልኪቶም መብርሂ ዝሃቡ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ማክሮ ኢኮኖሚ እቲ ባንኪ መለሰ ምናለ፥ እቲ ኣዋጅ ምፅቑ ተዋሳእቲ እቲ ዓውዲ፣ ስርዓት ቁፅፅር፣ ኣብቲ ዕዳጋ ክፍፀሙ ዝኽእሉ ገበናት ንምቁፅፃር ዘኽእል ወሳኒ ስጉምቲ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እቲ ኣዋጅ ምፅዳቑ ስዒቡ ኣብ ብሁራዊ ካብኒ ኢትዮጵያ ዘፈር ፋይናንስ ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ስለዘለዎ ጉጅለ ፕሮጀክት ኣጣይሹ ካፒታል ዕዳጋ ጋህዲ ንምግባር ሰነድ ዕዳጋ መዋእለ ንዋይ ኢትዮጵያ ሓደ መሳርሒ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ኣዋጅ ሰነድ ዕዳጋ መዋእለ ንዋይ ንምጅማር ኣብ ምንቅስቓስ ምዃና ዝሰምዑ ኩባኒያታት ኣብቲ ዕዳጋ ንምስታፍ እናሓሳቡ ከምዝኾኑ እውን ተዛሪቦም።

ካብ ሰነድ ዕዳጋ ኩባኒያታት ብተወሳኺ ብብርኪ ዓለም ዓበይቲ ልምዲታት ዘለዎም ባንኪታት ኢንቨስትመንት፣ ተመን ዋጋ መሸጢ ኣውፃእቲ፣ ዳጋ መሳለጥቲን ኣማኸርቲ ቢዝነስን እውን ድሌት እናርአዩ ከምዝኾኑ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.