Fana: At a Speed of Life!

ዓለም ለኸ ውድድራት ዝሰዓሩ ኢትዮጵያውያን ኣማዕበልቲ ቴክኖሎጂ ክሳብ 2 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዶላር ተሸሊሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ኣብ ዓለም ለኸ ውድድራት ተወዳዲሮም ብምዕዋት ክሳብ 2 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዶላር ዝረኸቡ ኢትዮጵያውያን ሰብ ሞያ ፈጠራ ቴክኖሎጂ ኣፍልጦን ሽልማትን ተዋሂቡዎም።

ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ምስ ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ምትሕብባር ብምዃን ን15 ሰብ ሞያ ፈጠራ ቴክኖሎጂን ጀመርቲ ትካላት ቴክኖሎጂን ሽልማት ሂቡ፡፡

ካብ ኮሌጅ ኢንፎርሜሽንን ቴክኖሎጂን፣ ሕርሻ፣ ዓውዲ ምፍራይ፣ ቱሪዝም፣ መዓድንን ዲጂታልን ዝተውፃእፅኡ 15 ተሸለምቲ ኣማዕበልቲ ቴክኖሎጂኣብ ጉዳይ ንግዲን ቴክኒክን ስልጠና እናተውሃቦም ፀኒሑ።

ብመሰረት ዝተውሃቦም ስልጠና ዓለም ለኸ ውድድራት ተወዳዲሮም ብምስዓር ካብ 25 ሺሕ ክሳብ 2 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዶላር ሽልማት ዝረኸቡ እንትኾኑ፥ ኣብ ውሽጢ ሃገር እውን ልዕሊ 200 ዕድላት ስራሕ፣ ካብ 100 ሺሕ ክሳብ 500 ሺሕ ብር ሃፍቲ ረኺቦም።

ሚኒስትር ዲኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር ባይሳ በዳዳ÷ ጀመርቲ ትካላት ቴክኖሎጂ ዕቤት ቴክኖሎጂ ኢትዮጵያ ንምቅልጣፍ ዓቕሚ ዝፈጥሩ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ምትሕብባር ኮሪያ ኣብ ኢትዮጵያ ሊ ቢዮንግ ኋ ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ንፈጠራ ስራሕ ዘፈር ቴክኖሎጂ ምቹው ሃዋህው ንምፍጣር ትገብሮ ፃዕሪ እቲ ኤጀንሲ ሓገዝ ክገብር ኢዩ ምባሎም ካብቲ ሚኒቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.