Fana: At a Speed of Life!

ብዓል ጥምቀት ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብተኸተልቲ እምነት ክርስትና ብድምቀት ተኸቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብዓል ጥምቀት ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብተኸተልቲ እምነት ክርስትና ብድምቀት ተኸቢሩ ውዒሉ።

ትማሊ ታቦታት ካብ ኣድባራት ብምውፃእ ብካህናት፣ ዲያቆናትን ምእመናንን ተዓጂቡ ስርዓተ ጥምቀት ናብ ዝካየደሉ ጥምቀተ ባሕሪ ምፍናዉ ይዝከር።

ሎሚ መዓልቲ ድማ ካብ ንጎሆ ጀሚሩ እቲ ብዓል ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊን ባህላዊን ስነስርዓታት ተኸቢሩ ኣሎ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ጃን ሜዳ ኣብ ዝካየዶ ዘሎ ስነስርዓት፥ ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀጳጳስ ዘኣክሱም ወእጨጌ ዘመንበረ ተክለሃይማኖት ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ቀዳማዊ፣ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ምእመናንን በፃሕቲ ዓዲን ኣብ ዝተረኸብሉ ብድምቀት ተኸቢሩ።

ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ፥ ምስ ካልኦት ኣካላት ፀፅታን ሕብረተሰብን ብምትሕብባር በዓል ጥምቀት ብሠላም ምዝዛሙ ኣፍሊጡ።

በዓል ጥምቀት ኣብ ዩኔስኮ ዘይድህሰሱ ባህላዊ ቅርስታት ዓለም ምምዝጋቡ ዝዝከር ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.