Fana: At a Speed of Life!

ዓመታዊ ሓምለዋይ ዓሸራ መርሃ-ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ዝቕፅል ዓርቢ ክጅመር ኢዩ – ቀ/ሚ ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓመታዊ ሓምለዋይ ዓሸራ መርሃ-ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ዝቕፅል ዓርቢ ብዕሊ ከምዝጅመር ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒትር፥ ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 እናተቓለስና ዋላ እንተኾንና፤ ሓሙሽተ ቢሊየን ፈልሲታት ናይ ምትካል ትልምና ክነዕውት ኢና” ክብሉ ገሊፆም።

ሕድሕድ ኣባል ስድራ ቤት ኣካላዊ ርሕቐት ሓሊዩ ክታሙ ከንብር ዝኽእለሉ መገዲ ከምዝመዓራረ እውን ሓቢሮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፥ “ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሕድሕድና ሃገራዊ ፃውዒት ተቐቢልና ትልምና አዐዊትና ኢና” ክብሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ፅሒፎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.