Fana: At a Speed of Life!

ዓቃቢ ሕጊ ኣብ መዝገብ እኒ ዶ/ር ደብረጺዮን ገብረሚካኤል 62 ሰባት ክሲ መስሪቱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓቃቢ ሕጊ ኣብ መዝገብ እኒ ዶ/ር ደብረጺዮን ገብረሚካኤል 62 ሰባት ክሲ መስሪቱ።

እቶም ተኸሰስቲ ናይ ህዝባዊ ወያኔ ሓርነት ትግራይ ኣፈፃሚ ኮሚቴ ውሳነ ብምሃብ ልዑል ተሳትፎ ዝነበሮም ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓትን ኣባላት ካቢኔ እቲ ክልል መንግስቲን ኢዮም ተባሂሉ።

ብተወሳኺ ብዕጥቂ መጥቃዕቲ ኣብ ምፍፃም ልዑል ግደ ኣብ ልዕሊ ዝነበሮም ናይ ኢፈርት ትካላት፣ ኣመራርሓ ውልቀን መንግስታዊን ትካላት፣ ኣባላት ኣመራርሓ ኮሚሽን ምርጫ ትግራይ፣ ኣብ ትግራይ ኣበ ዝተኻየደ ኢ-ሕገ መነግስታዊ ምርጫ ተሳትፎ ዝገበሩ ተቓዋሚ ፖለቲካዊ ፓርቲታት፣ ኣቦ መንበራትን ነበር ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓትን ፍሉጣት ሰባት ዓቃቤ ሕጊ ፌዴራል ክሲ መስሪቱ።

እቲ ክሲ ኣብ ክልተ ናይ ገበን ዓንቀፅ ዝተመስረተ እንትኸውን፥ እቲ ናይ መጀመሪያ ብሓይሊ፣ ብምፍርራሕ ብኣድማን ካብ ሕጊ ወፃኢ ብዝኾነ መገዲን ኢ-ሕገመንግስታዊ ምርጫ ብምክያድ ብሕገ መንግስቲ ዝተጣየሸን ኣፍልጦ ዘለዎን መንግስቲ ክልል ምልዋጥ  ኣብ ትሕቲ ገበን ሕጊ ፌዴሪኢ ዓንቀፅ 238 ዝተደንገገ ብምትሕልላፍ እንትኸውን፥ እቲ ካልኣይ ክሲ መንግስቲ ፌዴራል ብሓይሊ ንምልዋጥ ብምሕሳብ ካብ 2011 ዓ.ም ጀሚሩ መንግስቲ ፌዴራል ብመሳርሒ ኵናት ብሓይሊ ምልዋጥ ዘኽእል ናይ ትግራይ ወተሃደራዊ ኮማንድ ዝተብሃለ ሓይሊ ጦር ብምውዳብ ኣብ ልዕሊ ናይ መንግስቲ ፌዴራል ሰራዊት ምክልኻል ሃገር መጥቃዕቲ ብምፍፃም ገበን ገብረ ራዕዲ ንምክልኻል ዝወፅአ ኣዋጅ ቁፅሪ 1176/2011 ዓንቀጽ 3/1እና 3/2 ብምትሕልላፍ ገበን ኢዩ።

ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ነቲ ክሲ “ኣስረጅነት” 510 መሰኻኽር ሰባትን 5329  ገፅ መረዳእታታት ሰነድን ብምትሕሓዝ ናብ ቤት ፈርዲ ከምዝቐረበ ካብ ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ናይ ሕገ መንግስቲን ገበን ግብረ ራዕዲን ዝርእይ ቀዳማይ መጋባእያ እቲ ክሲ ብመዝገብ ቁፅሪ 27128102 ብምቕባል ኣብ ቤት ህንፀት ዝርከቡ ተኸሰስቲ እቲ ቤት ህንፀት ንከቕርብ ዝተረፉ ተኸሰስቲ ናይ ፌዴራል ፖሊስ መፀዋዕታ ኣብፂሑ ንከቕርብ ብምእዛዝ ን26 ሓምለ 2013 ዓ.ም ቆፀሮ ሂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.