Fana: At a Speed of Life!

ዓቃቢ ሕጊ እኒ እስክንድር ነጋ ዝተኸሰሱሉ ገበን ክሲ ኣመሓይሹ ኣቕሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዓቃቢ ሕጊ እኒ እስክንድር ነጋ ዝተኸሰሱሉ ሃይማኖትን ብሄርን መሰረት ዝገበረ ሕድሕድ ጎንፂ ብምፍጣር ዝብል ገበን ክሲ ቤት ኣመሓይሹ ኣቕሪቡ።

እቲ ዝተመሓየሸ ክሲ፥ ኣብ ዝሓለፈ ቆፀሮ ቀዳማይ መገባእያ ጉዳያት ሕገ መንግስቲን ፀረ ግብረ ራዕዲን ገበንን ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ፌዴራል፥ እኒ እስክንድር ነጋ ኣብ ዝተኸሰሱሉ ክሲ ተፈፂሙ ዝተብሃለ ገበን ኣበይ ቦታ፣ ኣበየናይ ሰዓት፣ ክፍለ ከተማን ወረዳን ከምኡ እውን ኣብቲ ዝተፈፀመ ገበን በፂሑ ዝተብሃለ ዕንወት ንብረትን ጉድኣት ሰባትን ብዝርዝር ተመሓይሹ ንኽቐርብ ብዘኣዘዞ መሰረት ብምግባር ኢዩ።

እቲ ዝተመሓየሸ ክሲ ንእስክንድር ነጋ ሓዊሱ ሓሙሽተ ተኸሰስቲ ዝበፅሖም እንትኸውን፥ እቲ መጋባእያ ድማ ጭብጢ ኽሲ ንዕዱማት መጋባእያ ብንባብ ኣስሚዑ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ክፍለከተማ ቦሌ ዝበፅሐ ዕንወት ከምኡ እውን ኣብ ክፍለ ከተማታት ኮልፌ፣ ንፋስ ስልክን ካልኦትን ዝበፅሐ ምጥፋእ ህይወት ደቂ ሰባትን ዕንወት ንብረትን ኣመሓይሹ ብዝርዝር ኣቕሪቡ።

እቲ መጋባእያ ጠበቓታት እቶም ተኸሰስቲ መቃወሚ ክሲ 29 መስከረም 2013 ዓ.ም ናብ ቤት ፅሕፈት ከእትዉ ዝኣዘዘ እንትኸውን፥ ዓቃቢ ሕጊ ድማ መቃወሚኦም ተቐቢሉ ን12 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ናብ መጋባእያ የቕርብ ብምባል ተለዋጢ ቆፀሮ ሂቡ ኣሎ።

ብታሪኽ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.