Fana: At a Speed of Life!

ዓብዪ ፆም ወርሒ ረመዳን ይቕረ ይቕረ እንበሃሃለሉ ኢዩ-ተቀዳሚ ሙፍቲ ሐጅ ዑመር ኢድሪስ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓብዪ ፆም ወርሒ ረመዳን ይቕረ ይቕረ እንበሃሃለሉ ኢዩ ክብሉ ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት መኽሪ ጉዳያት አስልምና ኢትዮጵያ ተቀዳሚ ሙፍቲ ሐጅ ዑመር ኢድሪስ ገሊፆም።

ተቀዳሚ ሙፍቲ ሐጅ ዑመር ኢድሪስ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ እቲ ፆም ሙስሊማት ባዕልቶም ካብ መግብን መስተን ጥራሕ ዘይኮነስ መስ ኣላህ ዝቀራረብሉን ውልቃዊ ሰምዒቶም ዘርሕቑሉ ኢዩ ኢሎም።

ብተወሳኺ ኣብ ወርሒ ረመዳን ዝካየድ መርሃ ግብሪ ምትእኽኻብ ደገፍ ዕላዊ ገይሮም።

እቲ መርሃ ግብሪ፥ ብፍላይ እዚ እዋን ብኲናትን ካልኦት ምኽንያታትን ዝተፈናቐሉ ከምኡወን ካብ ስዑዲ ተመለስቲን ደገፍ ዝደልዩን ዜጋታት ዘለውሉ ብምዃኑ ዝተፈላለዩ ኣካላት ደገፍ ንምግባር ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ።

ረመዳን ይቕረ ይቕረ እንበሃሃለሉን ካብ ናይ 11 ኣዋርሕ ስሕተትና ወፂእና ናብ ኣላህ እንቐርበሉ፣ ዘለዎ ንዘይብሉ ኣካፊሉ ዝበልዐሉ ኢዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያን፦ እናልማ፣ እንገንባ፣ እንዘጋ

 

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.