Fana: At a Speed of Life!

ዓወት በዓል ዓድዋ ኣብ ከተማ ዓድዋ ንምኽባር ምድላው ይግበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 125 ዓወት በዓል ዓድዋ ኣብ ከተማ ዓድዋ ንምኽባር ምድላው እናተገበረ ምዃኑ ምምሕዳር ዞባ ማእኸል ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

እቲ ዞባ ምምሕዳር ካብ ዘመሓድረን ወረዳታት ሓንቲ ዝኾነት ዓድዋ፥ እቲ በዓል ብዝደመቐ ኩነታት ንምኽባር ምድላው እናገበረ ከምዝኾነ ኣመሓዳሪ ዞባ ማእኸል ኣይተ ብርሃኔ ገብረፃዲቕ ገሊፆም፡፡

እቶም ኣመሓዳሪ ኣብ ዘሃቡዎ ርኢቶ ኣብ ክልል ትግራይ ምስ ዝተኻየደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ተተሓሒዙ ህዝቢ እቲ ከባቢ ኣፀገምቲ እዋናት ሓሊፉ ኢዩ፡፡

ይኹን እምበር ኣብዚ ሕዚ እዋን ኩርዓት ኩሎም ኢትዮጵያውያን ዝኾነ ዓወት ዓድዋ ኣብ ከተማ ዓድዋ ንምኽባር ኣብ ምድላው ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ከባቢ ዓድዋ ዘሎ ኩነታት ሰላም ኣፀጋሚ ኢዩ ብዝብል ሕብረተሰብ ክሰግእ ከምዘይብሉ እውን ኣገንዚቦም፡፡

ህዝቢ ትግራይ ምስቲ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ተተሓሒዙ ኣብ ፀገም ይኹን እምበር እቲ በዓል ብዝደመቐ ኩነታት ከኽብር ኢዩ ኢሎም፡፡

በዓል ዓወት ዓድዋ ኣብ ኩሎም ከባቢታት ኢትዮጵያ እናተኸበረ ምዃኑ ይፍለጥ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.