Fana: At a Speed of Life!

ዓወት ዓድዋ ብህዝቢ ኦሮሞን መላእ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ተጋድሎ ዝተረኸበ ናይ ኣፍሪካን መላእ ፀለምቲ ህዝቢታት ዓወት ኢዩ – ወ/ሮ ሎሚ በዶ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣፈ ጉባኤ ጨፌ ኦሮሚያ ወይዘሮ ሎሚ በዶ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብቲ ክልል ዝተሰርሑ ቀንዲ ቀንዲ ስራሕቲ ኣመልኪተን መግለፂ ሂበን።

ኣብ በግለፂአን ድማ ብህዝቢ ኦሮሞን መላእ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ተጋድሎ ዝተረኸበ ዓወት ኣፍሪካን ኩሎም ፀለምቲ ህዝቢታትን ንዝኾነ መበል 125 ዓመት ዓወት ዓድዋ መልእኽቲ እንኳ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፈን።

ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ መንግስቲ እቲ ክልል ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ዝተሰርሑ ስራሕቲ ከምዝገምገመ ወይዘሮ ሎሚ ተዛሪበን።

ብምዃኑ ድማ 16 ዞባታት፣ ኣብ 40 ወረዳታትን ከተማታትን ከምኡ እውን ኣብ 80 ጣቢያታት ዘሎ ምንቅስቓስ ስራሕ ናይ መስክ ዑደት ምግባሩ ገሊፀን፡፡

ኣብቲ እዋን ዑደት ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ምንቅስቓስ ልምዓት፣ ፕሮጀክታት፣ ከይዲ ስርዓት ፍትሒ ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላትን ከምዝተረኣዩ ኣብሪሀን።

እተን ኣፈ ጉባኤ ጨፌ ኦሮሚያ ብሕገ-መንግስቲ ዝተውሃቦ ልኡኽቶ እናተዋፀአ ከምዝርከብ እውን ተዛሪበን።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብዚ ዓመት ትኹረት ተገይሩሎም ካብ ዝስርሑ ስራሕቲ 6ይ ሃገራዊን ክልላዊን መረፃ ብዓወት ንኽኽዝም ከምዝሰርሕ ብምሕባር ካብ ሕብረተሰብ እውን ዓቢዩ ልዑል ስራሕ ትፅቢት ከምዝግበር ኣገንዚበን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.