Fana: At a Speed of Life!

ዓውደ ምርኢት ቡን ኢትዮጵያ ኣብ ቴልኣቢብ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ እስራኤል ቴልኣቪቭ ዝርከብ ኢምባሲ ፌዴሪኢ ዓውደ ምርኢት ፍርያት ቡን ኢትዮጵያ ኣካይዱ።

በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደርን ፍሉይ ልኡኽን ኢትዮጵያ ኣብ እስራኤል ረታ ኣለሙ፥ ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ዓውደ ምርኢት ፍርያት ቡን ኢትዮጵያ ምፍላጥ ምዃኑ ገሊፆም።

እቲ ምርሃ ግብሪ፥ ባህላዊ ምግቢ ኢትዮጵያ ኣብ ምፍላጥ ንዝርከቡ ባህላዊ ኣቢያተ ምግቢ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ንመሃብን ንምብርትታዕን ምዃኑ እውን ኣገንዚቦም።
መርሃ ግብሪ ዲፕሎማሲ ምግቢ ኢትዮጵያን ኤግዚቢሽን ቡንን ቅድሚ ሕዚ ኣብ ቴልኣቢብ ተሳሊጡ ከምዝነበረ ተገሊፁ።

ቀንዲ ዕላምኡ ድማ ፍርያት ቡን ኢትዮጵያ ኣብ ዕዳጋ እስራኤል ምጥንኻር፣ ባህላዊ ምግቢ ኢትዮጵያ ብምፍላጥ ገፅታ ሃገር ምህናፅ ከምኡ እውን ምውሳኽ ፍሰት በፃሕቲ ሃገር ከምዝኾነ እቶም ኣምባሳደር ኣብሪሆም።

ኣብቲ ዓውደ ምርኢት ዓይነታት ቡን ኢትዮጵያን ስነ-ስርዓት ኣፈላልሓ ቡን ኢትዮጵያን ዝምልከት ብዲፕሎማሰኛታት ገለፃ ከምዝቐረበ ካብቲ ኤምባሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ፥ ተወከልቲ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ እስራኤል፣ ተወከልቲ ሚኒስቴር ቱሪዝም፣ ተወካሊ ከንቲባ ከተማ እስራኤል፣ ኣባላት ማሕበረሰብ እቲ ዲፕሎማሲ፣ ባህላዊ ኣብያተ ምግቢ ኢትዮጵያ፣ ኣምፃእቲ ፍርያት ቡና ኢትዮጵያ፣ ኣባላት ማሕበር ፈተውቲ ኢትዮጵያ፣ ጋዜጠኛታት፣ ዕዱማት ኣጋይሽን ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኣባላት መራኸብቲ ሃፋሽን ተረኺቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.