Fana: At a Speed of Life!

ዓውዲ ትምህርቲ ብቴክኖሎጂ ብምዝማን ኣፍራዪ ዜጋ ንምፍጣር ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ግንቦት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ዓውዲ ትምህርቲ ብቴክኖሎጂ ብምዝማን ኣፍራዪ ዜጋ ንምፍጣር ይስራሕ ከምዘሎ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ትምህርቲ ዶክተር ጌታሁን መኩሪያ፥ ኣብ ቀፃሊ ቶክኖሎጂ መሰረት ዝገበሩ ከይዲታት ምምሃር ምስትምሃር ተግባራዊ ከምዝግበሩ ገሊፆም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ትምህርቲ ብቴክኖሎጂ ንምዝማን ኣብ ዝግበር ከይዲ ንካልኣይ ብርኪ ትምህርቲ ትኹረት ከምዝተገበረ ብምግላፅ፥ እዚ እውን መናእሰይ ብቴክኖሎጂ ብምሕጋዝ ኣፍራዪ ዜጋ ንክኾኑ ዝግበር ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ይኹን እንበር ሕፅረት ሃፍቲ ዓብዪ ፀገም ከምዝኾነን እቲ ፀገም ንምፍታሕ ድማ መንግስቲ ሓገዝቲ ትካላት ብምትሕብባር ሃፍቲ ናይ ምትእኽኻብ ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ትምህርቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.