Fana: At a Speed of Life!

ዕንወት ኲናት ንምትራፍ ኩሉ ሰብ ንሰላም ቀዳምነት ክህብ ኣለዎ ክብሉ ፓርቲታት ፖለቲካ ሓቲቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዕንወት ኲናት ንምትራፍ ኩሉ ሰብ ንሰላም ቀዳምነት ክህብ ኣለዎ ክብሉ ፓርቲታት ፖለቲካ ሓቲቶም።

ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ትግራይ ህፃናት ሓዊሱ  ብምግዳድ ናብ ኲናት ንክኣትዉ ይገብር ከምዘሎ ዘርእዩ ሓበሬታታት ዓለም ለኸ ትካላት የውፅኡ ዘለዉ እንትኾኑ እቶም ፓርቲታት ነቲ ተግባር ኣውጊዞም።

ህፃናትን ኣረጋውያንን ሓዊሱ ብዙሓት ነበርቲ ትግራይ ብጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ተገዲዶም ናብ ኲናት ይሳወሩ ከምዘለዉ ይዝከር።

ናብ ኲናት ዘይኸዱ ድማ እስራት ሓዊሱ መቕፃዕቲ ገንዘብ ከምዝንበረሎም ሓበሬታታት የረድኡ።

ኣቦ መንበር ናይ ኢትዮጵያ ዴሞክራሲያዊ ሕብረት (ኢዴህ) ኣይተ ገብሩ በርሃ፥ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ቅድመ ሐዚ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዘይኣመነሉ ኲናት ምስዋሩ ኣዘኻኺሮም።

ካብ ናይ ትማሊ ተግባሩ ብዘይምምሃር ዳግማይ ናብ ኲናት ንምእታው ዝግበሩ ኣካይዳታት ዘሕዝኑ ከምዝኾኑ ድማ ተዛሪቦም።

ምክትል ኣቦ መንበር ናይ ነፃነትን እኩልነት ፓርቲ(ነእፓ)ዘኑር ኣብዱልዋህብ ብግደኦም፥ ንኲናት ዝግበር ምንቅስቓስ ተቐባልነት ኣይብሉን ኢሎም።

ኣብቲ ጎንፂ ተዋሳእቲ ዝኾኑ ወገናት ዝርርብ ንከቐድሙ ሓቲቶም።

ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ዝገበሩ እቶም ኣመራርሓ ፓርቲታት፥ ህፃናት ናብ ኲናት ምልኣኽ ዓለም ለኸ ገበን ኢዩ ኢሎም።

ይኹን እንበር እቲ ግብረ ራዕዲ ብተደጋጋሚ ተመሳሰልቲ ተግባራት አንትፍፅም ከምዝፀንሐ ተዛሪቦም።

ብኣፈወርቅ እያዩ

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.