Fana: At a Speed of Life!

ዕድላት መሰረተ ልምዓት ኢትዮጵያ ዘፋልጥ ፎረም ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ግንቦት፣2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኢትዮጵያ ዕድላት መሰረተ ልምዓት ኢትዮጵያ ንኩባኒያታት ቻይና ዘፋልጥ ፎረም ብዌቢናር ኣሳሊጡ።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ተሾመ ቶጋ፥ መንግስቲ ንዓውዲ መሰረተ-ልማትን ሎጂስቲክስን ፍሉይ ትኹረት ከምዝሃበ ተዛሪቦም።

እቲ መድረኽ ኣብቲ ዓውዲ ፖሊሲታት፣ ናይ ቀዳምነት ትኹረት ዝተውሃቦም ዛዕባታትን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዓውዲ መውፋር ዝህቦ ረብሓን ብዝምልከት ግንዛበ ንምፍጣር ዝዓለመ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ስለዝኾነ ዕድላት መሰረተ ልምዓት ኢትዮጵያ ንኩባኒያታት ቻይና ዘፋልጥ ፎረም ብዌቢናር ምስላጡ ካብቲ ኤምባሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.