Fana: At a Speed of Life!

ዕጡቓት ትግራይ ዕጥቆም ዝፈትሕሉ ዝርዝር ትልሚ ዝሰርሕ ሓበራዊ ኮሚቴ ሰብ ሞያ ኣብ ሽረ ይዛተ ኣሎ-መንግስቲ

ኣዲስ ኣበበ፣ 22 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ጠሚቱ መግለፂ ሂቡ።

እቲ ኣገልግሎት ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ ዕጡቓት ትግራይ ዕጥቆም ዝፈትሕሉ ዝርዝር ትልሚ ዝሰርሕ ሓበራዊ ኮሚቴ ሰብ ሞያ ኣብ ሽረ ይዛተ ኣሎ ኢሉ።

ብመሰረት ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ህወሓት ዕጥቁ ዝፈትሓሉ ዝርዝር ትልሚ ዘሰናድእ ሓበራዊ ኮሚቴ ሰብ ሞያ ካብ 21 ሕዳር 2015 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ሽረ ስርሑ ከምዝጀመረ ገሊፁ።

ካብ መንግስቲ ፌዴራልን ዕጡቓት ትግራይን ዝተውፃእፅአ እቲ ኮሚቴ ኣብ ዝቕፅሉ ሒደት መዓልታት ስርሑ ክዛዝም ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ድማ ሓቢሩ።

እቲ ኮሚቴ ዘውፅኦ ዝርዝር ትልሚ ዕጥቂ ናይ ምፍታሕ፣ ናብ ካምፒ ናይ ምእታውን ተመሳሰልቲ ተግባራትን ዝምልስ ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

ዝርዝር ትልሚ ናይ ምውፃእ ተግባር፣ ብምኽኒያት ቴክኒክ ጉዳያት ምዝንግዑ ድማ ኣዘኻኺሩ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.