Fana: At a Speed of Life!

ዕጡቕ ሓይሊ እቲ ጁንታ ብምምራሕን ብምውጋእን ዝተሳተፉ ሜጀር ጄኔራል መሓመድ እሻን ብርጋዴር ጄኔራል ሙሉጌታ በርሀን ኢዶም ሂቦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝነበሩን ብክብሪ ብጡረታ ዝተሰናበቱን ዕጡቕ ሓይሊ እቲ ጁንታ ብምምራሕን ብምውጋእን ዝተሳተፉ ሜጀር ጄኔራል መሓመድ እሻን ብርጋዴር ጄኔራል ሙሉጌታ በርሀን ኢዶም ከምዝሃቡ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣፍሊጡ።

ዋና ዳይሬክተር ኢንዶክትሪኔሽን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሜጀር ጄኔራል መሐመድ ተሰማ ንግዜኢ ከምዝገለፅዎ፥ ኢዶም ዝሃቡ ላዕለዎት መኮንናት ዕጡቕ ሓይሊ እቲ ጁንታ ብምምራሕን ብምውጋእን ዝተሳተፉ ኢዮም።

እቶም መኮንናት ብጡረታ ድሕሪ ምስንባቶም ጀናብቲ ጁንታ ብምሕዋስ ምድላዋት ኲናት እናገበሩ ከምዝነበሩ ተገሊፁ።

ጁንታ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ኣብ ዝፈፀመሉ እዋን እውን ቀንዲ ኣተሓባበርቲ ዝነበሩ ኢዮም ተባሂሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.