Fana: At a Speed of Life!

ዘላቒ ስላም ንምምፃእ ሰላማዊ ኣተሓሳስባ ክቕበል ዝኽእል ኣእምሮ ክህሉ ይግባእ-ድምፃዊ ምዑዝ ገ/ስላሴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብዚ ሐዚ እዋን ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምርድዳእ ናብ ውሕሱን ዘላቒ ስላምን ንምምፃእ ንሰላም ድልው ዝኾነ ፖለቲከኛ፣ ህዝቢ፣ ኢሉ እውን ሰላማዊ ኣተሓሳስባ ክቕበል ዝኽእል ኣእምሮ ክህሉ ይግባእ ክብል  ድምፃዊ ምዑዝ ገ/ስላሴ ገሊፁ።

ድምፃዊ ምዑዝ ምስ ጣብያና ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት፥ ሃገር ካብ ዝኣተወቶ  ቅልውላው  ኣውፂእኻ ናብ ሰላምን ፍቕርን ንምምፃእ ግደ ኪነ-ጥበብ ዕዙዝ ኣበርክቶ ኣለዎ ኢሉ።

ብመሰረት እዚ ኣብዛ ሃገር ዘለው ድምፃውያን ኣብዚ ሐዚ እዋን ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምቅድዳው ካብ ዘጋድዱ ስራሕቲ ኪነ-ጥበብ ክቑጠቡ ምዒዱ።

ብዝተወሃቦም መክሊት ሰላምን ምርግጋዕን ዝሰብኹ ስራሕቲ ክሰርሑ ይግባእ ክብል ድማ ተላብዩ።

ዋጋ ሰላም ተመን የቡሉን ዝበለ ድምፃዊ ምዑዝ፥  ኣብዚ ሐዚ እዋን ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምርድዳእ ናብ ውሕሱን ዘላቒ ስላምን ንምምፃእ ንሰላም ድልው ዝኾነ ፖለቲከኛ፣ ህዝቢ፣ ኢሉ እውን ሰላማዊ ኣተሓሳስባ ክቕበል ዝኽእል ኣእምሮ ክህሉ ይግባእ እውን ኢሉ።

መበቆል ስልጣነን ደቂ ሰባትን ዝኾነት ኢትዮጵያ፥ ኣብቶም  ዝሓለፉ ዘበናት ዝነበሩ ወለዶታት ሽማ ብድሙቕ ጅግንነት ኣብ ማህደር ታሪኽ ዓለም ዘመዝገቡ ከምዝነበሩ ኣዘኻኺሩ።

ሐዚ ዘሎ ወለዶ እውን ታሪኽ ወለዱ ካብ ዘጥፍኡ ስራሕቲ ተቖጢቡ ኣብ ምህናፅ ሰላምን ምርድዳእን ክሳተፍ ይግባእ ክብል ድምፃዊ ምዑዝ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ብምሕረት ለኣከ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.