Fana: At a Speed of Life!

ዘተኣማምን ወተሃደራዊ ሓይሊ ንምህናፅ ንሰርሕ ኣለና-ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ በጀት ዓመት 2015 ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝተማልአ ሎጂስቲክስ ብምቕራብ ዘተኣማምን ወተሃደራዊ ሓይሊ ንምህናፅ ንሰርሕ ኣለና ክብሉ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገሊፆም።

ዋና መምርሒ  ሎጂስቲክስ ምክልኻል ሃገር ካብ ኩሎም እዚታት መስ ዝተውፃእፅኡ ኣመራርሓታት ሎጂስቲክስ  ዓመታዊ ኣፈፃፅማ ስራሕ ብምግምጋም ንላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ መብርሂ ሂቦም።

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፥ “ፀላእትና ግንባር ፈጢሮም እንተተሰለፉ እውን ዝተዋደደ ድልየት ሎጂስቲክስ ብምቕራብ ምስ ጅግንነት ሰራዊት ተደሚሩ ፀላእቲ ክነሕፍር ክኢልና ኢና” ኢሎም።

ሰራዊት ኣብ በጀት ዓመት 2015 ዓ.ም ኣብዚ ዘበን ዝፈረዩ ወተሃደራዊ ቴክኖሎጂታት ንክዕጠቕ ከምዝግበር ተዛሪቦም።

ሓላፊ ዋና መምርሒ  ሎጂስቲክስ ምክልኻል ሃገር ሌተናል ጀኔራል ዓብዱራህማን እስማኤል ብግደኦም፥ መድላው ሎጂስቲክስ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ከብ ከምዝበለ ምግላፆም ካብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝረከብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.