Fana: At a Speed of Life!

ዘይሕጋዊ ሰነዳት እናሓተመ ዝነበረ ተጠርጣሪ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈላለዩ የተለያዩ ዘይሕጋዊ ሰነዳት እናሓተመ ዝተረኸበ ተጠርጣሪ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓሉ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

እቲ ተጠርጣሪ፥ ኣብ ክፍለ ከተማ ኣዲስ ወረዳ ሽዱሽተ ብልምዲ ጨው በረንዳ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ብሓበሬታ ሕብረተሰብ ኣብትሕቲ ቁፅፅር ሕጊ ክውዕል ከምዝኸኣለ ምክትል ዳይሬክተር መምርሒ ፖሊስ ምክልኻል ገበንን ሓደጋ ትራፊክን እቲ ክፍለ ከተማ ኮማንደር ታሪኩ መንገሻ ተዛሪቦም።

እቲ ውልቀሰብ፥ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ዘዳለዎም መንጃ ፍቓዳት፣ ናይ ትምህቲ መረዳእታታት፣ ዝተፈላለዩ ማሕተማት፣ ፓስፖርትታት፣ ቲተራት፣ ናይ ልደት ካርዲታትን ካልኦት መረዳእታታትን ሒዙ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ክውዕል ክኢሉ ኣሎ።

እቲ ገበን ሃገርን ትውልዲን ዝጎድእ ተግባር ስለዝኾነ፥ ኩሉ ሕብረተሰብ ክኹኑኖ ከምዝግባእ እቶም ሓላፊ ኣተሓሳሲቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.