Fana: At a Speed of Life!

ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ብሕጋውነት ንክሽፈን ደላሎ ምስ ትካላት መንግስቲ ከምዝመሻጠሩ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ብሕጋውነት ንክሽፈን ደላሎ ምስ ትካላት መንግስቲ ከምዝመሻጠሩ ተገሊፁ።

ኣብቲ ተግባር፥ ውፅኢት ምዘና ትምህርቲ ምስ ዝሸጡ ትካላት ቴክኒክን ሙያን ስልጠና ክሳብ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ዘለዉ ሰራሕተኛታት ተሳተፍቲ ምዃኖም ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝገበሮ ምርመራ ኣረጋጊፁ።

እቶም ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝጓዓዙ ከይሰልጠኑን ብግቡእ ምዘና ከይሓለፉን መረዳእታታት ዝዳለዉሎም እንትኾኑ፥ ነዚ ድማ ትካላት ቴክኒክን ሙያን ተሓባበርቲ ከምዘኾኑ ተሓቢሩ።

ፋና ብመሰረት ዝረኸቦ መረዳእታ ውፅኢት ሲ ኦ ሲ ብገንዘብ ይሽየጥ እቲ መረዳእታ እውን ንዘይሰልጠኑ ይወሃብ።

ሰራሕተኛታት እቲ ሚኒስቴር ድማ መትእስሳር ረብሓ ብምፍጣር ንዘይሕጋዊ ተግባር ተሓባበርቲ ይኾኑ።

ኤጀንሲታት ምስ ደለልቲ ብዝገብርዎ ምምሽጣር ስኑዕ ሰነድ ብምድላው ተሳተፍቲ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ጉዳዮም ብሰልዲ ጥራሕ ዘፈፅሙ ዜጋታት ንዘይሕጋዊ ኣዘዋወርቲ ተቓሊዖም ኢዮም።

ሰራሕተኛታት ኣገልግሎት ኢሜግሬሽንን ዜግነትን ኣብቲ ተግባር ተሳተፍቲ እንትኾኑ፥ ብፍላይ ኣብ ዶብ ቁፅፅር ሰልዲ ብምቕባል ብመገዲ ኣየር ዝሓልፉ ተሓባባሪ ይኸውነ።

ብኣፈወርቅ እያዩ

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.