Fana: At a Speed of Life!

ዘይምርድዳኣት ብዘተ ንምፍታሕ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ውፅኢት ይህቡ ኣለዉ-ወይዘሮ ሙፈሪሃት

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዝፍጠሩ ዘይምርድዳኣት ብዘተ ንምፍታሕ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ውፅኢት ይህቡ ኣለዉ ክብላ ሚኒስትር ሰላም ወይዘሮ ሙፈሪሃት ካሚል ገሊፀን።

እተን ሚኒስትር፥ ትካለን ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓማውቲ ኣብዛ ሃገር ዘላቒ ሰላም ንምምፃእ ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ብምትኳር ይሰርሕ ከምዘሎ ተዛሪበን።

ንዘበናት ዝተኻዕበተ ፀገም ኣብ ሓደ ፀሓይ ኣይፍታሕን ዝበላ ወይዘሮ ሙፋሪያት፥ ዘይምርድዳኣት እንተጋጥሙ ብዝሰልጠነ መገዲ ብዘተ ናይ ምፍታሕ ልምዲ ምምዕባል ቀዳማይ መፍትሒ ኢዩ ኢለን።

ስለዝኾነ ዘይምርድዳኣት ብዘተ ንምፍታሕ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ውፅኢት ይህቡ ኣለዉ ክብላ ሓቢረን።

ኣብቶም መድረኻት ዝተፈላለዩ ምሁራንን ኣብ ኩሎም ከባቢታት እዛ ሃገር ዝነብሩ ክፋላት ሕብረተሰብን ይሳተፉ ከምዘለዉ አወን ተዛሪበን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.