Fana: At a Speed of Life!

ዚምባብዌ ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንምዕጋት ኣዋጅ ሰዓት እቶ እቶ ሰዓት ኣዊጃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ዚምባብዌ ኤመርሰን ምናንጋግዋ ዚምባብዌ ኣዋጅ ሰዓት እቶ እቶ ኣዊጆም።

እቲ ሰዓት እቶ እቶ ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንምዕጋት ብዝብል ዝተኣወጀ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቶም ፕሬዚዳንት ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ዝተኣወጀ እቶ እቶ ሰዓት ንኸተግብሩ ንኣካላት ፀፅታ ትእዛዝ ኣመሓላሊፎም።

መንግስቲ ድማ ንዜጋታት እታ ሃገር ምግቢ ሓዊሱ ግልጋሎት ጥዕና ንምርካብን ብጣዕሚ ኣገደስቲ ካብ ዝኾኑ ጉዳያት ወፃእ ካብ ገዛ ከይወፅኡ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።

ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ግና እቲ ኣዋጅ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ንመንግስቲ ብምቅዋም ክገብሩዎ ዝሓሰቡ ሰልፊ ተቓውሞ ጠጠው ንምባል ዝተኣወጀ ኢዩ ብምባል ነቲ ውሳነ ኮኒኖምዎ።

ብዙሓት ሰባት ኣብታ ሃገር ግዕዝይናን ብልሹው ኣሰራርሓን ዓሲሉ ኣሎ ብዝብል ኣብ ልዕሊ ፕሬዚዳንት ምናንጋግዋ ተቓውሞ እናስምዑ ይርከቡ።

ኣብ ሃገረ ዚምባብዌ ናብ 2 ሺሕ ዝፅግዑ ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ዝተትሓዙ እንትኾኑ፥ 26 ሰባት ድማ ህይወቶም ሓሊፉ ኢዩ።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.