Fana: At a Speed of Life!

ዜጋታት “ንሃገራዊ ዘተ ኣጀንዳ ይኹኑ ኢዮም” ዝብልዎም ዛዕባታት ሓበሬታ ንክህቡ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ፥ ዜጋታት “ንሃገራዊ ዘተ ኣጀንዳ ይኹኑ ኢዮም” ዝብልዎም ዛዕባታት ሓበሬታ ንክህቡ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

እቲ ኮሚሽን ዝተጣየሸሉ ዕላማን ብህዝቢ ዝተውሃቦ ሓላፍነትን ንምውፃእን ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቂ ሰላም ንክዓስልን ዓሊሙ ብዙሓት ስራሕቲ ይሰርሕ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ክሳብ ሐዚ ካብ ዜጋታት ብኢሜል፣ ፖስታ፣ ስልኪን ኣካልን ዝተረኸቡ ን ኣጀንዳ ዘተ ዝኾኑ ሓበሬታታት ምትእኽኻብ ከምዝተኽኣለ ተገሊፁ።

ስለዝኾነ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ብቑፅሪ ስልኪ 0111261196 /0975554500/፣ ቁፅሪ ሳፁን ፖስታ  32623 ን ኢ-ሜይል ኣድራሻ ethiopianndc@gmail.com ኣጀንዳታት ንክቐርቡ እቲ ኮሚሽን ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ብኣካል ምቕራብ ንዝደሊዩ ድማ፥ ኣብ ከባቢ ሽሮ ሜዳ ጥቓ ኤምባሲ ኣሜሪካ  ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ዕዮ እቲ ኮሚሽን  ብምርካብ ኣጀንዳ ምሃብ ከምዝከኣል ተሓቢሩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.