Fana: At a Speed of Life!

ዝለዓለ ውፅኢት ንዘመዝገቡ 273 ተምሃሮ ኣብ ኢሜሪትስ ሕቡራት ዓረብ ሙሉእ ስኮላር ሺፕ ከምዝተውሃበ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ተዛሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ዝለዓለ ውፅኢት ንዘመዝገቡ 273 ተምሃሮ ኣብ ኢሜሪትስ ሕቡራት ዓረብ ሙሉእ ስኮላር ሺፕ ከምዝተውሃበ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ተዛሪቦም።

ሎሚ መዓልቲ ኣብ ውፅኢት ፈተና 12 ክፍሊ ካብ ፍርቂ ንላዕሊ ውፅኢት ካብ ዘመዝገቡ ተምሃሮ ዝለዓለ ውፅኢት ንዘመዝገቡ 273 ተምሃሮ ኣፍልጦ ተዋሂቡ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፥ ነቶም ተምሃሮ እንኳዕ ደስ በለኩም ኢሎም።

ዝተውሃቦም ፈተና ብኣግባቡ ምስራሕ ብምኽኣሎም ኢትዮጵያ ዝሕግዙ 273 ተምሃሮ ተረኺቦም ኣለዉ፤ በዚ ደስ ክብለና ይግባእ ኢሎም።

እቶም ተምሃሮ ኣዝዩ ዘበናዊ ኣብ ዝኾኑ ዩንቨርስታት ትምህርቶም ንክከታተሉን ንኢትዮጵያን ኣፍሪካን ዝሕግዙ ንክኾኑን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እቶም ተምሃሮ በርቲዖም ሃገሮም እንተይረስዑ ዝሕግዙ ንክኾኑ ኣተሓሳሲቦም።

“ኩሉ ተምሃራይ ሃገሩ ንክልውጥ ንክሰርሕ ሓቲቶም፤ ብፍላይ ንሓቂ ደው ዝበለ ተምሃሪ ፅባሕ ሃገሩ ክልውጥ ኢዩ። ንስኻትኩም ዝለዓለ ውፅኢት ዘመዝገብኩም ተምሃሮ ሓቂ እትደሊዩ ክትኮኑ ይግባእ ከምኡ እንትኸውን ድማ ሃገር እትሃንፁ ክትኮኑ ኢኹም” ኢሎም።

ንስኹም ንሃገርኩም እትጠቕሙ ንክትኮኑ ካብ ከባቢኹም ውፅእ ኢልኩም ክትሓስቡን ነባር ስሙያት ኢትዮጵያዊያን ምሁራን ካባኻትኩም እውን ንክርከቡ ሓደራ እብለኩም ኢሎም።

ሚኒስትር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ብግደኦም፥ ከም መንግስቲ ዝተጀመረ ለውጢ ቅቡልነት ፈተና የረጋግፅ እኳ እንተሃለወ ኣብ ኩሎም ዓውዲታት ዝረኣዩ ፀገማት ኣብ ምስትኽኻልን ጠንካራ ተምሃሮ ኣብ ምቕራፅን ፃዕሪ ክንገብር ኢና ኢሎም።

ኣፍልጦ ዝተውሃቦም ተምሃሮ ብተፈጥሮ ሳይንስ ካብ 700 ድምር ውፅኢት ልዕሊ 600 ዘምፅኡ 263 ተምሃሮን ብማሕበራዊ ሳይነስ ካብ 600 ድምር ውፅኢት ልዕሊ 500 ዘምፅኡ 10 ተምሃሮ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ብኣልዓዛር ታደለ

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.