Fana: At a Speed of Life!

ዝመረረ ቃልሲ ተቓሊስና፣ ጥዑም ዓወት ክነጠዓዕም ኢና-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ

ዝመረረ ቃልሲ ተቓሊስና፣ ጥዑም ዓወት ክነጠዓዕም ኢና-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2014 ዓ.ም(ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ብምድሃብ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ዝመረረ ቃልሲ ተቓሊስና፣ ጥዑም ዓወት ክነጠዓዕም ኢና ኢሎም።

ሙሉእ ትሕዝቶ እቲ መልእኽቲ ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ዘዕበየት ኣዲኡ መከራ ከምዝፅዕን ክፉእ ቆልዓ፣ ሐዚ እውን ንኢትዮጵያ ናይ መከራ ቁፃሮ ብምዃን ቀፂሉ ኣሎ። ብናይ ፅልኣት ፕሮፓጋንድኡ ብምልዕዓል ዝኣኻኸቦ ሓይሊ ብምሓዝ ኣብ ኣርባዕተ ግንባራት ተኹሲ ብምኽፋት ሃገር ናይ ምፍራስ ተግባሩ ቀፂሉ ኣሎ። መከላከያ ሰራዊትናን መጥቃዕቲ ሃገሩ ዘቖጠዖ ናይ ወገን ጦርን  ብሓባር ብምዃን ኣብ ልዕኢ ኢትዮጵያ ዝተኸፈተ መጥቃዕቲ ንምምካት ኣብ ኩኦም ግንባራት ተሰሊፎም ኣለዉ። ፀላኢ ናይ መወዳእታ ዓቕሙ ፀንቂቑ ንምጥቃዕ ዝገብሮ ፃዕሪ ሰራዊትን ብምድሪን ሰማይን እናተሓገዘ ከምዘይትስእ ገይሩ ይቐብሮ ኣሎ።

ኣብ ሰለስተ ግንባራት ከምዘየዋፅኦ ከምዘየዋፅኦ ዝተገንዘበ እቲ ራዕዲ ህወሓት፣ ቅንያቱ ኩሉ ሓይሉ ናብ ግንባር ወሎ ኣምፂኡ ኢዩ። ንዝቦቐለሉ ህዝቢ ሓዊሱ ንማንም ዘይርህርህ እቲ ጉጅለ ኣብቲ ወፍሪ ካብ 12 ክሳብ 65 ዓመት ሽማግለታት ኣተኣኻኺቡ ኣዝሚቱ ኢዩ። እዚ እንትገብር ዕላምኡ ክልተ ኢዩ። ሓደ ፥ ዘዋፈሮ ሓይሊ ወዲኡ ተስፋ ንከይቖርፅን ሞራሉ ከይስበርን ንምግባር ኣብ ግንባር ወሎ ዓወት ናይ ምርካብ ትምኒት ኢዩ። ካልኣይ ኣብ ቀረባ እዋን ሓይሊ ኣየር መጥቃዕቲ ብምስንዛር ዘዕነዎ ከቢት ኣፅዋር ካብ መከላለከያ ሰራዊ ብምምራኽ ንምትካእ ብምሕሳብ ናይ ሞት ሕውየት ቃልሲ ገይሩ ኢዩ። ንዓወት ተሃንዲዱ መፂኡ ኣብ ግንባር ወሎ ብዙሕ ሓይሉ ዝሰኣነ እንትኸውን፥ ጀግና ሰራዊትና ኣብ ኩሉ ዓውዲታት መስዋእትነት ብምኽፋል ይቃለስ ኣሎ።

ኣብ ቀፅቲ ጊዜታት ዝተረፈ ሓይሊ ኣተኣኻኺቡ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ምስንዛሩ ኣይተርፍን። ፍልፍል ጥንካረ ፀላኢ ናትን ድኽመትን ምዝንጋዕን ከምዝኾነ ፈሊጥና ተረባሪብና ክንሕልዎ ይግባእ። ብዝሓትና ጥንካረ ዝኸውን ተረዳዲእና ብሓባር ደው እንትንብል ኢዩ። ምፍልላይና ንፀላኢ ዝምቹ ኢዩ። ብዝነዝሖ ፕሮፓጋንዳ ምርባሽና ንዕዑ ኢዩ ዝረብሕ። ነኒባዕልትና ምድምማፅን ምትሕብባርን እንተኺኢልና ምፍርራስ ዝጀመረ ሓይሊ ጉልበቱ ይደክም ኢዩ። ሃገር ንምጥፋእ ዝመፅአ መንጋ ሃገር ንምድሓን ንዝተልዓለ ሓይሊ ይርብሾ ይኸውን፣ ከሸንፎ ግን ኣይኽእልን። ስራሕና ብዝተናበበን ዝተዋደደን  መገዲ ካብ ምፍፃም ብተወሳኺ፣ ኣብ መንጎና ኮይኑ ንፀላኢ ዝሰርሕ ናይ ህወሓት ወኪል ብንቕሓት ምክትታል የደሊ። ንዘበናት ምስ ፀላአኢ ናይ ጥቕሚ ምትእስሳር ዝፈጠሩ ሰባት ሎሚ እውን ኣብ ጓጓና ኮይኖም ነይ ፀላኢ ትምኒት ኣብ ሸትኡ ንምብፃሕ ፃዕሪ ይገብሩ ኣለዉ።ስለዝኾነ ኩሉ ዜጋ ምስ ሓይሊ ፀፅታ ብምዃን ወኪላት ፀላኢ ከጋልፅ ኣለዎ።

ካባና ትፅቢት ዝግበር ኩሉ እንተፈፂምና ፈተናና ኣብ ቀረባ እዋን ክውገድ ኢዩ። ሃገር ካብ መጥቃዕቲ ናይ ምክልኻል ሓላፍነት ናይ ኩላእና ኢዩ። ሕድ ሕድ ዜጋ ድሕንነቱ ንክሕሎን ሰላም ንክረክብን ካብኡ ትፅቢት ዝግበር ኩኡ ክፍፅም ኣለዎ። ንኢትዮጵያ ናይ ምስዋእ ግዴታ ናይ ኩላትና ኢዩ፣ ዝተፈለየ ሞት ንክመውት ትፅቢት ዝግበረሉ ዝተፈለየ ኣካል የለን።

ስለዝኸነ ህዝብና ንምጥፋእ ዝመፅአ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንምምካትን ንምቕባርን ዝኾነ ይኹን መሳርሒን ዓቕሚን ብምሓዝ፣ ብሕጋዊ ኣወዳድባ ክንወፍር ኣለና። እዚ ዓብዪ ህዝቢ ታሪካዊ ፈተናታት ብምሕላፍ ዓወት ዝሓፈሰ ኣብ ወሰን ደው ኢሉ ብምርኣይ ኣይኮነን። ዝተሰንዘሮ መጥቃዕቲ ዝሰዓረ ብሃባር ንሃገሩ ደው ብምባል ኢዩ።

ስለዝኾነ ናይ ቀደም ኣቦታትና ኣሰር ብምስዓብ ዝኾነ ይኹን እኩይ ተግባር ምፍሻል ከምእንኽእል ክንኣምን ኣለና። ነዚ ድማ ብሓባር ደው ምባልል፣ ምድምማፅ፣ ተዋዲድካ ምንቅስቓስ ድሊ። እዚ እንተገይርና ኢትዮጵያ ኣኽቢርና ንቐፃሊ ትውልዲ ክነውርስ ኢና። ሎሚ ብሓባር ደው ብምባል፣ ብዘይምምንታእ ኢትዮጵያ ብሓባር ካብ መጥቃዕቲ ንክንከላኸለላ ፃውዒተይ ኣቕርብ።

ኢትዮጵያ ብፃዕሪ ደቃ ተሓፊራን ተኸቢራን ንዘለኣለም ትንበር!
ፈጣሪ ኢትዮጵያን ህዝባን ይባርኽ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.