Fana: At a Speed of Life!

ዝማዕበላ ሃገራት ንህፃናት ምኽታብ ኣቋሪፀን ንድኻታት ሃገራት ከማቕላ ውድብ ጥዕና ዓለም ፀዊዑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ግንቦት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ውድብ ጥዕና ዓለም፥ ሃብታማት ሃገራት ንህፃናት ንምኽታብ ዘውፅአኦ መደባት ኣናዊሓን ዘለወን ቢልቃጥ ክታበታት ቫይረስኮሮና ንድኻ ሃገራት ከካፍላ ተማሕፂኑ።

ዳይሬክተር ጄኔራል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ሃብታማት ሃገራት ናብቲ ዓቕሚ ንዘይብለን ሃገራት ክታበት ዘከፋፍል ዘሎ ኮቫክስ ክታበታት ከወፍያ ተማሕፂኖም።

ኣብ ጉዳይ ኣቕርቦት ክታበት ኣብ ሞንጎ ድኻታትን ሃብታማትን ሃገራት ኣዝዩ ዓቢ ጋግ ተፈጢሩ ከምዘሎ እውን ተዛሪቦም።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ መጀመርታ ወርሒ ታሕሳስ 2020 ክታበት ንኽውሃብ ብውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍልጦ ምስ ተውሃበ፥ ሃብታማት ሃገራት ነቲ ዝበዝሐ ክታበታት ከምዝገዝአኦን ገለ ሃገራት ልዕሊ እቲ ንምሉእ ህዝበን ንክኸትባ ዘድልየን ቢልቃጣት ጠሊበን ከምዘለዋ ፀብፃባት ውድብ ጥዕና ዓለም የረድእ።

ዶክተር ቴድሮስ፥  ሃብታማት ሃገራት ንምንታይ ንህፃናት ዜጋታተን ክኸትባ ከምዝደልያ ከምዝርድኦም ብምሕባር “ሐዚ ግን ነቲ ዝወጠነኦ ዳግመ ግምት ክገብራሉ ኣለወን” ኢሎም ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.