Fana: At a Speed of Life!

ዝረአ ዘሎ ምውሳኽ ቁፅሪ ብኮቪድ 19 ዝተለኸፉ ሰባት ኣገልግሎት ጥዕና ክሽከሞ ካብ ዝኽእል ንላዕሊ ኢዩ-ማሕበራት ሰብ ሞያ ጥዕና

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ማሕበራት ሰብ ሞያ ጥዕና  ቁፅሪ ብኮቪድ 19 ዝተለኸፉ ሰባት ምውሳኹ ኣገልግሎት ጥዕና ክሽከሞ ካብ ዝኽእል ንላዕሊ ከመዝኸውን ዘርእይ ኢዩ ከብሉ ገሊፆም።

እቶም ሰብ ሞያ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ቁፅሪ በቲ ቫይረስ ዝተሓዙ ሰባትን ናብ ፅኑዕ ከፍሊ ሕክምና ዝኣትዉን ይውስኽ ኣሎ ኢሎም።

ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘጋጠመን ብህፁፅ ክላበድ ይኽእል ኢዩ ተባሂሉ ዝእመነሉን ሓዱሽ ህዋስ ኮቪድ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትወሉ ዕድል ክህሉ ስለዝኽእል መፅናዕቲ ክግበር ኣለዎ ክብሉ ሓቢሮም።

ምልባዕ እቲ ቫይረስ ንምክልኻል ዝግበር ዝነበረ ጥንቃቐ እኹል ብምንባሩ ነቲ ሐዚ ዝረአ ዘሎ ኣተሓሳሳቢ ስግኣት ከም ምኽኒያት ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

ስለዝኾነ መልባዕ እቲ ቫይረስ ንምክልካልን ምቁፅፀራን ተኸታታልነት ዘለዎ ስራሕ ክህሊ ኣለዎ ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.