Fana: At a Speed of Life!

ዝርኣዩ ዘለዉ ጎንፅታትን ዘይምርግጋዕን ንምፍታሕ መራሕቲ ሃይማኖት፣ መንግስቲን ምእመናንን ክሰርሑ ይግባእ – ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ፓትሪያሪክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊቀ ጳጳስ ዘኣክሱም ወእጨጌ ዘመንበረ ተክለሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ ቀዳማዊ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርኣዩ ዘለዉ ጎንፅታትን ዘይምርግጋዕን ንምፍታሕ መራሕቲ ሃይማኖት፣ መንግስቲን ምእመናንን ክሰርሑ ይግባእ ክብሉ ገሊፆም።

ስሩዕ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ ጉባኤ መኽፈቲ መደረ ዘስምዑ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ፥ ኣብዛ ሃገር ዝርኣዩ ዘለዉ ጎንፅታትን ዘይምርግጋዕን ብዙሓት ጉድኣታት የብፅሑ ኣለዉ ኢሎም።

ስለዝኾነ ዘጋጥሙ ኣፈላላያት ብዘተ ብምፍታሕ ዕርቀ ሰላም ምንጋስን ዘላቒ ሰላም ምርግጋፅን ይግባእ ክብሉ ተዛሪቦም።

ምንቅስቓስ ኣክረርቲን ተፃባእቲን ነታ ቤተክርስቲያን ዘጋጠምዋ ፀገማት ከምዝኾኑ ኣዘኻኺሮም።

ብተወሳኺ ውሽጣዊ ሰናይ ምምሕዳር ፈተና ከምዝኾኑ ብምሕባር፥ እቲ ሎሚ መዓልቲ ዝጀመረ ጉባኤ እቶም ፀገማት ንክፈትሕ ኣፅንኦት ሂቦም።

ብመታገስ ኣየልኝ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.