Fana: At a Speed of Life!

ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል መንግስቲ ዘውፀኦም መምርሒታት ኣብ ዘይፍፅሙ ዜጋታት ስጉምቲ ከምዝወስድ ፖሊስ ፌዴራል ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል መንግስቲ ዘውፀኦም መምርሒታት ኣብ ዘይፍፅሙ ዜጋታት ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ስጉምቲ ከምዝወስድ ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ገሊፁ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል እነደሻው ጣሰው ኣብቲ ጉዳይ ኣድሂቦም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ዜጋታት ናይ ኢድ ሰላምታ ጠጠው ንኸብሉ፣ ርሕቐቶም ንኽሕልዉን ኣኼባታት ንኸቋርፁን መምርሒ ዘውፅአ ዋላ ይኹን እምበር እናተተግበረ ከምዘይኮነ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ድማ ፖሊስ ፌዴራል ፈለማ ማዕዳን ሓበሬታ ናይ ምሃብን ስጉምቲ ካብኡ ሓሊፉ ግን ሕጋዊ ስጉምቲ ክወስድ ከምዝኽእል ኣብሪሆም።

ኣብ ሸቐጣት ኣድላዪ ዘይኮነ ወሰኽ ዋጋ ዝገብሩ ነጋዶ ዝግበር ስጉምቲ ብዝምልከት፥ ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ልዕሊ 5 ሺሕ ዝኾኑ ነጋዶ ስጉምቲ ምውሳድ፣ ናብ ሕጊ ንኽቐርቡ ምግባርን ምእጋድ ፍቓድ ንግዶምን ዝበሉ ስጉምቲታት ከምዝተወሰደ ገሊፆም።

ብዛዕባ ቫይረስ ኮሮና ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ናብ ሕብረተሰብ ዝፈነዉ ውልቀ ሰባት ስጉምቲ እናተወሰደሎም ምዃኑ ዝገለፁ እቶም ኮሚሽነር፥ ኣብ ዝቕፅል እውን ዝተዛብዐ ሓበሬታ ኣብ ልዕሊ ዝፍንዉ ብሎገራት ስጉምቲ ንምውሳድ ሓበሬታ ናይ ምትእኽኻብ ስራሕቲ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም።

ብሓፈሻ ፖሊስ ፌዴራል ንባዕሉ ካብ ኮቪድ-19 ሓሊዩ ጥዕና ሕብረተሰብ ንምሕላው ሙሉእ ዓቕሚ ከምዘለዎ ኣብሪሆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.