Fana: At a Speed of Life!

ዝተመረፁ ስራሕቲ ብምስላጥ ፅዕንቶ ናብራ ሕብረተሰብ ንምቅላል ዝግበር ፃዕሪ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ -ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተመረፁ ስራሕቲ ብምስላጥ ፅዕንቶ ናብራ ሕብረተሰብ ንምቅላል ዝግበር ፃዕሪ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

ኣብ ክፍለ ከተማ ኣብ ዝቕፅሉ 60 መዓልቲታት ዝሰርሑ ስራሕቲ ናይ ምጅማር መርሃ ግብሪ እናተኻየደ ይርከብ።

እቲ መርሃ ግብሪ ብዕሊ ዘጀመራ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ፥ ተግባር ኩሎም ክፍለ ከተማታት ብሓደ ግዘ ብምፍታሕ ኣይከኣል እምበር ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍለ ከተማታት ዝተመረፁ ስራሕቲ ብምስራሕን ውፅኢ ብምምፃእን ፅዕንቶ ናብራ ሕብረተሰብ ንምቅላል ዝግበር ፃዕሪ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅልን ኣብሪሀን፡፡

ቀረብ ዳቦ፣ ምክፋል መኣድንን ምገባ ምስፍሕፋሕን፣ ምስፍሕፋሕ ሕርሻ ከተማን፣ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ምምሕያሽ፣ ህንፀት ኣባይቲን ሕድሳትን ብጠመተ ዝስረሐሎም ኮይኖም ተፈሊዮም ናብ ተግባ ከምዝተኣተወ ገሊፀን።

ፀገም ኣባይቲ እቲ ክፍለ ከተማ ዘቃልሉን 200 መራሕቲ ስድራ ዝሕዙ ኣርባዕተ ህንጻታትን፣ ህንፀት ፋብሪካ ዳቦ፣ 200 ኣባይቲ ኣፍሪስካ ምሕዳስን ማእኸላት ምገባን ብዕሊ ናይ ምኽፋት መርሃ ግብሪ ሎሚ መዓልቲ ከምዝካየድ ተሓቢሩ፡፡

ንዝካየድ ህንፀት ፋብሪካ ባኒ ሎሚ መዓልቲ እምነ ኹርናዕ ተነቢሩ፡፡

ብቅድስት ኣባተ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.