Fana: At a Speed of Life!

ዝተረኸበ ዓወት ህዝቢ ዓፋር ንህወሓት ኣምሪሩ ከምዝፀልኦን ዳግም ብተለኣኣኽቲ ንዘይምምሕዳር ዝገበሮ ቃልሲ ዘርኢ ኢዩ – ኢ/ር ኣይሻ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ኣብ ግምባር ዓፋር ዝተረኸበ ዓወት ህዝቢ ዓፋር ንህወሓት ኣምሪሩ ከምዝፀልኦን ዳግም ብተለኣኣኽቲ ንዘይምምሕዳር ዝገበሮ ቃልሲ ዘርኢ ኢዩ ክብላ ሚኒስትር መስኖን ከባብታት ቆላን ኢንጂነር አይሻ መሓመድ ተዛሪበን።

እተን ሚኒስትር ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበረን ጻንሒት፥ ህዝቢ ክልል ዓፋር ስርዓት ደርጊ ንምውዳቕ ልዑል ቃልሲ እናገበረ ከምዝነበረን ህወሓት ማእኸላይ መንግስቲ ድሕሪ ምቁፅፃሩ ግን ኣጋር ውድብ ተባሂሉ ነቲ ክልል ብተለኣኣኺ እናተመሓዳደረ ከምዝነበረን ገሊፀን፡፡

ብሕገ-መንግስቲ ዝተቐመጠ መሰል ዓርሰ ምሕደራ ተሓዲጉ ድማ እቲ ክልል ብኢደዙር ብሓይሊታት ህወሓት እናተገዝአ ከምዝነበረ እተን ሚኒስትር ኣዘኻኺረን፡፡

ኣብ ዘበነ ኣገዛዝኣ ህወሓት እቲ ክልል ሃፍቱ ከይጥቀም ብምግባር ብተፃራሪ ሃፍቲ እቲ ክልል ልዑል ዝርፊያ እናተፈፀሞም ከምዝነበሩ ተዛሪበን፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ነቲ ክልል ብዓሌት ብምክፍፋል ሓደ ከይኸውንን ብዛዕባ መሰሉ ብሓባር ከይቃለስ እናተገበረ ከምዝፀንሐ ገሊፀን፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ግምባር ዓፋር ዝተረኸበ ዓወት ህዝቢ ዓፋር ንህወሓት ኣምሪሩ ከምዝፀልኦን ዳግም ብተለኣኣኽቲ ንዘይምምሕዳር ዝገበሮ ቃልሲ ዘርኢ ከምዝኾነ እተን ሚኒስትር ኣብሪሀን፡፡

ብሚኪያስ ኣየለ

ከባኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.